ኤጀንሲ ልምዓትን ምምሕዳር ኣባይቲ ኣብ ናይ 2011ዓ/ም በጀት ዓመት መመካርቲ ስራሕቲ ምምሕያሽ ዲዛይን ንምቁፃር ብደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ፍቃድ ስራሕ ዘለዎም ኣማከርቲ ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ፡፡

ኤጀንሲ ልምዓት ኣባይቲ ክልል ትግራይ

1 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ስራሕ ንግዲ ፣ ምዝገባ ወረቀት ምስክር ንግዲ፣ መቅረባይነት ምዝገባ ወረቀት፣ ተወሳኪ እሴት ታክስ ቫት ዝተመዝገብኩምሉ ምስክር ወረቀት ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ወርሓዊ ዲክላራሲዮን መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ

2 ዝተሓደሰ ኣብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንግድን መጋዓዝያን ክልል ትግራይ ዝርከብ ከ/ስ /ኮ/ቁፅፅርን ምዝገባ ፍቃድን ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

3 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና 5,000 /ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ / ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ብ ሲፒኦ ወይ ድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ከቅርብ ኣለዎ፤

4 ሰዓራይ ጨረታ ናይ ዝጫረትሉ ስራሕቲ ውዕሊ ካብ ዝፈፀመሉ ዕለት ጀሚሩ ንኣስታት 40 መዓልታት ሙሉእ ብሙሉእ ስራሕቱ ክሰርሕ ኣለዎ፡፡

5 ኩሎም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዝመሓየሽ ዲዛይን ብሶፍት ኮፒ ካብ 23/7/2010 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ኤጀንሲ ልምዓት ምም/ርን ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 10 ዘይምለስ 150.00 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይክእሉ፤

6 ተጫረቲ ፋይናንሻልን ቴክኒካለን ሰነድ ንነብሲ ወከፍ ሓደ ዋና ክልተ ቅዳሕ ሰነድ ጨረታ ውሕስና ጨረታ ምስክር ወረቀት ምዝገባ ንግዲ፣ ፍቃድ ስራሕ ንግዲ ኣብ ቤት ምክሪ ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ቫት ዝተመዝገብኩምሉ ምስክር ወረቀት ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ወርሓዊ ዲክላራሲዮን መረዳእታ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ብምዕሻግ  መሊሶም ኣብ ካእ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብቲ ልዕሊ ፖስታ ሽም ዝጫረትሉ ሎት ኣድራሽን ብዝርአ ቀለም ብምፃሓፍ ናብበ ቢሮ ቁፅሪ 10 ክሳብ 01/08/2011ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ክተእትው ይግባእ፡፡

7 ተጫረቲ እቲ ቅጥዕታት ፈሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ ሰነድ ከየዛብዑ ከምቲ ክሽየጥ ከሎ ዝነበረ ከየጋደሉ ከቅርቡ ኣለዎም፡፡

8 እቲ ጨረታ 01/08/2010 ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ሰዓት 9:00 ይክፈት

9 ጨረታና ኣብ ዝተሓተ ዋጋ መረፃ ዝካየድ ኮይኑ ዝተሓተ ናይ ቴክኒካል ውፅኢት ድማ 70 ሚኢታዊ ይከውን፡፡

10 ኤጀንሲና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብምሉአ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዘተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብ/ስልኪ ቁፅሪ 0344-418513 ወይ ድማ 0344-418510 ምሕታት ይካኣል

ኣድራሻ ሮማናት ሙዚቃ ቤት ውይ ድማ ህንፃ ታደሰ ሓጎስ ፊትለፊት

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo