ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ናይ ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ግዕዝይናን ክልል ትግራይ ካብ PFM ናይ መፅሓፍቲ ሕትመት ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከሐትም ይደሊ ፤በዚ መሰረት ተወዳደርቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሒ፤

ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ግዕዝይናን ክልል ትግራይ

1 ናይዚ ዘመን ዝተሐደሰ ናይ ዘርፋ ንግዲ ፍቓድን መቕረብቲ ሰርትፍኬትን ቅዳሕ ከቅርብ ዝኽእል፤

2 ናይ መለለይ ቁፅሪ / Tin/ ን VAT ንሰርቲፊኬት ናይ ጥሪ ዲክለር ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል፤

3 ኣብ መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምዃኑ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር ዋናን ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል፤

4 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኾነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ሕትመት ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ኣሐቲሙ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ እቲ ንብረት ብፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝክእል፤

6 ናይ መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ማህተምን ፊርማን ዘለዎ ክኸውን ይግባእ።

7 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100.00 ብር እናፈልኩም ካብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ዳይሬክተራት ዕ/ፋይ/ን/ምም/ር /ንብረትን 2-19 ወይ 2-01 ካብ 23/07/2011ዓ/ም ክሳብ 08/08/2011 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜያት ኣብ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይኽእል።

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ መኸበሪ ንነብሲ ወከፍ ሰነድ ጨረታ 5000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) ብሽም ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ብሲፒኦ ወይድማ ብጥረገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታው ይከኣል፤

9 እቲ ጨረታ 08/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ሰዓት 8:30 ኣብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ዳይሬክተራት ዕ/ፋይ/ን/ምም/ር /ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 219 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት::

10 ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

11 እቲ ጨረታ ምስተኸፈተ ቢሮና ናይቲ ዝውገድ ንብረት 20% ናይ ምውሳኽ ወይ ናይ ምቅናስ መሰል ኣለዎ።

12 ሰዓራይ ናይቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ጠቅላላ ዋጋ ናብ ባንኪ ኣተዊ ምስገበሩ ንብረት ይወስድዎ፤

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-4105291/0344-415152 / ናይ ውሽጢ መስመር ስልኪ 227 ወይ 265 ደዊልካ ምሕታት ይከአል እዩ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo