ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ካብ መደበኛ በጀት ን2011 ዓ/ም በጀት ዓመት ካብ ዝተመደበልና በጀት ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝዉዕል ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት፣ መለዋወጢ ኣቅሑ መካይን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳድሩ ክዕድግ ይደሊ፤

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ኮይኖም ናይ 2011 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈሉ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቓድ መረዳአታ ከቕርቡ ዝኽእሉ::

2 መለለይ ቁፅሪ ቲን/TIN/ ከቕርቡ ዝኽእሉ::

3 ተወሳኺ እሴት ታክሲ /VAT/ ዝተመዝገቡን መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉን::

4 ኣብ ዝርዝር መቅረባይነት ዝተመዝገቡ ዝተሐደሰ መታወቂያ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

5 ወርሓዊ ዲክላሬሽንን ናይ ወርሒ ለካቲት 2011 ዓ/ም ከቕርቡ ዝክእሉን::

6 ተጫራታይ ቤት ፅሕፈትና ካብ ዘወፀኦ ዝርዝር ወፃኢ ምቕራብ ኣይከአልን፡፡

7 ተጫረቲ ኣብ ዋጋ መወዳደሪ ዝቀረበሎም ሰንጠረዥ ሽምን ክታም ኣድራሻን ማህተምን ብዘይ ምንም ስርዝ ድልዝ ከስፍሩ አለዎም::

8 ጨረታ ዝወፀሉ /ዝቃለሐሉ/ ዕለት 23/07/2011 ዓ/ም ሰዓት 2:30 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 09/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ዝኽፈተሉ ዕለት 09/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ይከዉን፡፡

9 ተጫረቲ ዘይምለስ ብር 30.00 ብምክፍል ሰነድ ጨረታ ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ዕደጋ ክፍሊ ምዉሳድ ይክእሉ፤

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፤

11 ኣድራሻና ጥቃ ቐዳማይ ብርኪ ሃፀይ ዮውሃንስ ቤት ትምህርቲ ብኣካል ብምቅራብ ክወስዱ ይክእሉ

ንተወሳኺ ሐበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0344-402420/411201 ብምድዋል ምሕታት ይኽእሉ፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo