ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ኣብ ወረድኡ ንዝተፈላለያ ኣብያተ ፅሕፈት ዝውዕል ናይ ቤተ ፈተነ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ

ስለዚ ካብዚ ንታሕቲ ዝርዝር ንዝቀረቡ ረቋሕታት አተማልኡ ክትወዳደሩ እትደልዩ ከባቢ ሕ/ሰብ (ግለ ሰባት) ፣(ውልቀ ነጋዶ) ኣብ ቤት ፅ/ት ትልምን ፋይናንስን መፂእኩም ንክትወዳደሩ ብኽብሪ ይዕድም።

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግበኦም ረቋሕታት

1 ናይ 2011ዓ/ም ፈቃድ ንግዲን ዘሐደሱን ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝከፈሉን ክኮኑ ኣለዎም፣

2 ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነትን መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ብቅዳሕ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ናይ ወርሒ ጥሪ/ለካቲት ሒሳብ ዘወራድክምሉ መረዳእታ ክተቅረቡ እትክሉ

4 ጨረታ ካብ ዝወፀሉ 19/07/2011 ም ክሳብ 04/08/2011 ዓ/ም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ሰነደ ጨረታ ብምዉሳድ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስት ዋናን ቅዳሕን ምእታዉ ይከኣል፡፡

5 መከበሪ ጨረታ ፣ ኣቅሑት ቤተ ፈተነ 3000 ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል፤

6 ጨረታ ሰዓራይ ዉዕሊ ንክኣስር ምስተነገሮ አብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ዝኣስር፤

7 መከበሪ ዉዕሊ ጨረታ 10 ሚኢታዊ ካብ ጠቅላላ ናይ ዝሰዓሮ ንብረት ዋጋ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝኸእል፤

8 እቲ ጨረታ 04/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 8፡00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዮ በቲ ዕለት  ሰዓት 8 ፡30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ከተማ ዶሃን ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘተረከብሉ ይክፈት፡፡

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0343-450110 / 0343-450112 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo