ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቀለ ንዝተፈላለያ ንቤት ፅሕፈት ከ/መቀለ ግልጋሎት ዝውዕል ፈርኒቸር ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ግልጋሎት ክዕድግ ይደሊ::

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ

1 ናይዚ ዘበን ግብሪ ዝከፈሉ ናይ 2010/11 ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ፣መለለይ ቁፅሪ ከፋለይ ግብሪ፣ ወረቀት ምስክር መቅረበይነት ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብትን፣ ናይ ቀረባ ግዜ ተወሳኪ እሴት ታክሰ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፣

2 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ኬዝቲም ዕደጋ ካብ ዕለት 17/07/2011ዓ/ም ጀሚሩ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ምውሳድ ይከኣል፡፡

3 መከበሪ ጨረታ ክራይ ዶዘር 4000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ወይ ብጥረ ገንዘብ ወይ በባንኪ ዝተረጋገፀ መኣዘዚ ክፍሊት ቼክ ብሽም ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ከትሕዝ ዝክእል፤

4 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 04/08/2011ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ድ.ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9፡00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይክፈት፡፡

5 ተጫረቲ መወዳደሪ ሰነድ ጨረታ ብክልተ ፖስታ ወይ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ኣለዎም፡፡

6 ዝኮነ ይኩን ተወዳዳራይ እቲ ትካል ካብ ዘሰናድኦ ስሩዕ ትካል ጨረታ ብክፋል ምቅራብ ኣይክኣልን፡፡

7 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ኣድራሻና ኣብ ምም/ር ከተማ መቀለ ህንፃ ኣግኣዚ ኦፕሬሽን ድሕሪ እንዳ ማርያም ቤተክርስትያን ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ቢሮ ቁፅሪ 34 እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0342-408757/0344-408501 ምድዋል ይከኣል:

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo