ኣብ በጀት ዓመት 2008 ዓ ም ብኮንስትራክሽን ሞያ መደበኛን ሓፂርን ስልጠናን ዘሰልጥኑ ንሰልጠንቲ ዝተመደብሎም በጀት መሰረት ብምግባር ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ናይ ፅሬት ፣ ናይ ማይ ኣቁሑት ፣ ኤለክትሪክ ፣ኮንስትራክሽን ፣ናይ ብሎኬት፣ ኮብልስቶን ፣ፈርኒቸርን ፣ሕትመትን ክገዝእ ስለዝደለየ ንክትወዳደሩ ብግልፂ ጨረታ ይዕድም።

ማእኸል መሰልጠኒ ቴክኒክን ሞያን ኣግበ

ማእከል መሰልጠኒ ቴክኒክን ሞያን ኣግበ ኣብ በጀት ዓመት 2008 ዓ ም ብኮንስትራክሽን ሞያ መደበኛን ሓፂርን ስልጠናን ዘሰልጥኑ ንሰልጠንቲ ዝተመደብሎም በጀት መሰረት ብምግባር ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ናይ ፅሬት ፣ ናይ ማይ ኣቁሑት ፣ ኤለክትሪክ ፣ኮንስትራክሽን ፣ናይ ብሎኬት፣ ኮብልስቶን ፣ፈርኒቸርን ፣ሕትመትን ክገዝእ ስለዝደለየ ንክትወዳደሩ ብግልፂ ጨረታ ይዕድም።

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቋሕታት

  1. በቲ ዘፈር ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም

  2. ዝተሓደሰ መቅረባይነት ዘለዎ

  3. ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይንድማ ቫት ዝኮንኩም

  4. ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዩ ቁፅሪ ወይንድማ ቲን ነምበር ከቅርብ ዝክእል

  5. ናይ 2008 ዓ∙ ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰ

  6. ናይ ወርሒ ነሓሰ ሒሳብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

  7. ናብቲ ጨረታ ምስታፍ ንዝኮነ ሕጋዊ ነጋዳይ ክፍቲ ኮይኑ ኣብቲ ጨረታ በቋንቋ ትግርኛ ብግልፂ ብፅሑፍ ከረድእ ዝክእል ክከዉን ኣለዎ

  8. ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ካብ ዝተቃለሐሉ ግዘ ጀሚሩ ክሳብ 5 ጥቅምቲ 2008 ዓ∙ ም ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ማእከል መሰልጠኒ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን ፋይናንስን ቁፅሪ 5 ኣብ ከተማ መቀለ ድማ ቢሮ መሰልጠኒ ቴክኒክን ሞያን ስልጠናን ቢሮ ክፍሊ ቁፅሪ 333 ክትወስዱ ትክእሉ

  9. ተጫረቲ ንመክበሪ ጨረታ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ካብ 2000 ክሳብ 3000 ቅርሺ ክተትሕዙ ይግባእ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ሰነድ ተቀባልነት የብሉን

  10. ናይ ሕድሕድ ሰነድ ዋናን ቅዳሕን ብክልተ ፓስታ ተዓሺጉ ናብ ከተማ መቀለ ቢሮ መሰልጠኒ ቴክኒክን ሞያን ስልጠናን ቢሮ ክፍሊ ቁፅሪ 333 ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትዉ ዝክእሉ

  11. ሰዓርቲ ሰዓርነቶም ምስተገለፀሎም ድሕሪ 3 መዓልቲ በቲ ዝወፀሎም ስፐስፊኬሽን መሰረት ዉዕሊ ዝኣስርን ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ መፅዓንን መራገፍን ፅሬት ዘለዎ ንብረት ናብ ኣግበ መእከል መሰልጠኒ ቴክኒክን ሞያን ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ከቅርብ ዝክእል።ፅሬቱ ዘይሓለወ እንተኮይኑ ድማ በቲ ጨረታ መሰረት ተቀፂዑ ንብረት በቲ ዝወፀ ስፐስፊኬሽን መሰረት ኣታዊ ይገብሩ

  12. ተጫራቲ ንመክበሪ ጨረታ ዉዕሊ 10 ሚኢታዊ ናይ ዝሰዓሮ ዋጋ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዙ ይግባእ

  13. ኣብ ጨረታ ከጭበርብሩ ዝፍትኑ ነጋዶ ስጉምቲ ዝወስድ ምካኑ እዉን ይገልፁ መክበሪ ጨረታ ገንዘብ ብሲፒኦ ዝዉረስ ምካኑ ምፍላጥ የድሊ

  14. ኣብ እዋን ምክፋት ጨረታ ተጫረቲ ባዕሎም ወይንድማ ሕጋዉያን ወከልቶም ክርከቡ ኣለዎም ተጫረቲ ባዕሎም ወይንድማ ሕጋዉያን ወከልቶም ብዘይምርካቦም እቲ ጨረታ ንዘይምክፋት ኣይንግደድን

  15. እቲ ጨረታ 5 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ሰዓት 4 ፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4 ፡30 ከተማ መቀለ ቢሮ መሰልጠኒ ቴክኒክን ሞያን ስልጠናን ቢሮ ክፍሊ ቁፅሪ 333 ተጫረቲ ወይንድማ ሕጋዉያን ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት

  16. ካልእ ኣብ ኣዋጅ ቁፅሪ 255/ 2007 ብዘሎ ነዚ መተግበሪ ዝወፀ መምርሒ ብዝእዝዞ መሰረት ይፍፀም ኣብዚ ዝሰፈረን ምስቲ ኣዋጅን መምርሕን ዝጋነፅ ቃል ከም መምርሒ ኮይኑ ኣየገልግልን

  17. እቲ ቤት ፅሕፈት 20 ሚኢታዊ ካብ ሕድሕድ ንብረት ናይ ምዉሳክን ናይ መቅናስን መሰሉ ሕልዉ እዩ

እቲ ቤት ፅሕፈትነና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0948536208 /0933104833 /540914290593 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo