ን3ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ማሕበር ህንፀት ዎርክሾፕ ሓፂንን ዕንፀይትን መቐለ ኣብ ክ/ከተማ ዓይደር ዝርከብ ናይ ህንፀት ስራሕቲ ክሳብ ሐዚ ማለት ክሳብ መሰረት ዝበፅሓሉ ናይ ኮንስትራክሽን መጠን /Performance Audit/ ብሰብ ሞያ መማከርቲ ሲቢል ምንድስና/ Building Engineering quantity surveyors and contractors/ ኣወዳዲሩ ከጫርት ስለዝደለየ እዚ ዝምልከተኩ ናይ መማከርቲ ደረጃ 8ተን ልዕሊኡን ንክትጫረቱ ንዕድም፤ ኣብ እዚ ጨረታ ክትሳተፉ ኣካላት፤

ማሕበር ህንፀት ዎርክ ሾፕ ሓፂንን ዕንፀይትን መቐለ

1 መማከርቲ ስነ-ህንፃን ምህንድስናን/Office fir Architecture & Engineering Consultants / ደረጃ 8

2 ሓፈሻዊ ኣማከርቲ ምህንድስና /office for Consulting Engineering General /

3 ኮንስትራክሽን ማነጅመንት /office for consulting construction Management /Civil Engineering / ደረጃ 6ን ልዕሊኡን ብርኪ ፍቃድ ዘለኩም ኣማከርቲ ትካላት ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ፤

1 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ ቫት ምዝገባ ምስክር ወረቀት ናይ መቅረባይነት ዝተሓደሰ መረዳእታ ከቅረቡ ዝክእሉ፤

 2 ናይ ጨረታ ውሕስና ብኢትዮጵያ ብሄራዊ ባንኪ ካብ ዝተፈቀደሎም ዝተፈለጡ ባንክታት ዝወሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ወይ ናይ ገንዘብ ክፍሊት መኣዘዚ// ብር 5000.00 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር/

3 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ስራሕቱ ሳይት ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ክገልፁ ኣለዎም፤

4 ኩሎም ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 16/07/2011ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ማሕበር ህንፀት ዎርክሾፕ ሓፂንን ዕንፀይትን መቐለ ቢሮ ቁፀሪ 117 ሀ 1ይ ወያነ ዘይምለስ ብር 200.00/ ክልተ ሚኢቲ ብር/ ብምክፋል ክገዝኡ ይክእሉ እዮም፤

5 ተጫረቲ ፕሮጀክት ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ነነበይኑ ዶክመንት ሓደ ዋና፣ ክልተ ፎቶኮፒ ጨረታ ሰነዳት ናይ ስራሕ ኣማከርቲ ዝተውሃበ ምዝገባ ካርዲ ንግዲ ስራሕ፣ ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቀት፣ መቅረባይነት ምዝገባ ሰርቲፊኬት፣ ናይ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬት፣ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ ቫት ዲክላሬሽን ፣ ናይ ቲን ምዝገባን መረዳእታን ውሕስና ወረቐት ቢድ ቦንድ ኣብ ዝ/ዩ ፖስታታት ብመዐሸጊ መሊሶም ኣብ ካሊእ ፖስታ ብምእሻግ ኣብቲ ልዕሊ ሽም ዝጫረትሉ ፕሮጀክትን ኣድራሻን ብዝርአ ቀለም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት 1ይ ወያነ ቢሮ ቁፅሪ 117 ሀ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ ዕለት 22/07/2011ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 8:00 ናብ ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትው ይክእሉ እዮም፤

6. እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ኩሎም ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከቡ 22/07/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 10፡30 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 1ይ ወያነ 117 ሀ ክክፈት እዩ፡፡

7.ማሕበር ህንፀት ዎርክሾፕ ሓፂንን ዕንፀይትን ከተማ መቀለ ካሊእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ድማ ብከፈል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

8.ተወሳኪ ሐበሬታ ናብ ማሕበር ህንፀት ዎርክሾፕ ሓፂንን ዕንፀይትን ከተማ መቀለ ቢሮ ቁፅሪ 117 ሀ ብኣካል ብምቅራብ ወይ ድማ ብቁፅሪ ስልኪ 09-14-02-62-89/09-14-70-95-91 ብምድዋል ምርካብ ይከኣል እዩ፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo