ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ህ.ወ.ሓ.ት ኣብ 2011 በጀት ዓመት 3ይ ዙር ዕደጋ ናይ ኣዳራሽ ወንበርን ካልኦት ፈርኒቸር ኣቅሑት፣ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ዋና ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ /ህ.ወ.ሓ.ት/

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ክተቅርቡ ትክእሉ፤

2 ናይ ግበሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ቲን ሰርቲፊኬት ከቅርብ ዝክእል፤

3 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈለን መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

4 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ቫት ዝተመዝገበ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ 2011ዓ/ም ቫት ዲክላሬሽን ከቅርብ ዝክእል፤

5 ካብ ተራ ቁፅሪ 1-4 ዝተዘርዘሩ ረቃሕታት ብምምላእ ምስ መጫረቲ ሰነዶም ኣተሓሒዞም ብጥንቃቀ ብዝተኣሸገ ብክልተ ፖስታ ኮፒና ኦርጂናል ብምባል ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምእታው ትክእሉ፤

6 ናይቲ ዝዕደግ ዝርዝር መግለፂ ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ምርኣይ ትክእሉ ኢኩም፤

7 ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ፣ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፊርማን ዘለዎ ክከውን ይግባእ፡፡

8 ተጫረቲ ካብቲ ዝተቀመጠ ዝርዝር መግለፂ ስፔስፊኬሽን ወፃኢ እንተመሊኦም ቴክኒካል ተራአዩ ካብ ውድድር ወፃኢ ዝግበር ምዃኑ፤

9 ናይ ኣደራሽ ወንበር ሰዓራይ ጨረታ ባዕሉ ገጢሙ ናይ ሓደ ዓመት ውሕስና ዘቅርብ ይከውን፡፡

10 ተጫረቲ ካብቲ ብፅሑፍ ዝቐረበ ስፔስፊኬሽን ብተወሳኪ ብቤት ፅሕፈትና ዝቀረበ ሳምፕል ምርኣይ ትክእሉ ምዃንኩም፤

11 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዓዓዚ ናብ ቤት ፅሕፈትና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝክእል፤

12 ናይ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ገዜ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን40 መዓልቲ ይከውን፡፡

13 ተጫረቲ ዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታ ሰነድ ምድብ1  150.00 ቅርሺ፣ ምድብ 2 50.00 ቅርሺ በምክፋል ካብ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 103 ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ምግዛእ ትክእሉ፤

14 እቲ ጨረታ ካብ 16/07/2011ዓም ክሳብ 01/08/2011ዓ/ም ኣብ ዘለው ተከታተልቲ መዓልታት ክፍቲ ኮይኑ ዕለት 02/07/2011ዓ/ም ንግሆ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘለውሉ ይክፈት፡፡

15 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መከበሪ ውሕስና ንምድብ 1 25000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንምድብ 2 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ውሕስና ብሽም ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ፋይናንስ ከከውን ኣለዎ፡፡

16 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቤት ፅሕፈትና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 25 ሚኢታዊ ክቅንስ ወይ ክውስክ ይክእል እዩ፡፡

17 ሰዓራይ እቲ ዝቀረበ ንብረት በበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቲ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ኮይኑ ናብ ገንዘብ ክፍሊት ይኣቱ፡፡

18 ቤት ፅሕፈትና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0342-419398/0939-917707 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo