ኣግበ ቴክኒክን ሞያን መሰልጠኒ ማእከል ኣብ በጀት ዓመት 2008 ዓ/ም ብኮንስትራክሽን ሞያ መደበን ሓፂርን ስልጠና እነስልጥኖም ሰልጠንቲ ዝተመደበሎም በጀት መሰረት ብምግባር ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ: ናይ ፅሬት መሳርሒ :ናይ ማይ ኣቁሑት : ናይ ኤሌክትሪክ :ናይ ኮንስትራክሽን : ናይ ብሎኬት : ናይ ኮብልስቶን :ፈርንቸርን ሕትመትን ክገዝእ ስለ ዝደለየ ንክትወዳደሩ ብግልፂ ጨረታ ንዕድም

ማእኸል መሰልጠኒ ቴክኒክን ሞያን ኣግበ

1 በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግድ ፍቃድ ዘለዎ

2 ዝተሐደሰ መቅረባይነት ዘለዎ

3 ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩም

4 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ /tin No/ ከቅርብ ዝክእል

5 ናይ 2008 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰ

6 ናይ ወርሒ ነሓሰ ቫት ዲክለር ዝገበሮ ከቅርብ ዝክእል

7 እቲ ጨረታ ምስታፍ ንዝኮነ ሕጋዊ ነጋዳይ ክፍቲ ኾይኑ አብቲ ጨረታ ብቋንቋ ትግራኛ ብግልፂ ብፅሑፍ ከረድእ ዝክእል

8 ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ካብ ዝተቃለሐሉ ዕለት 14/01/ 2008 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 05/02 2008 ዓ/ም 4:00 ዘይምለስ 30 ብር ብምክፋል ሰነድ ካብ ኣግበ ቴ /ሞ /መ /ማእከል ዕ/ንምም/ ር/  ፋይናንስ ቁፅሪ 05 ኣብ መቐለ ድማ ቢሮ ቴሞትስ ቁፅሪ ቢሮ 333 ክትወስዱ ትክእሉ

9 መጠን መክበሪ ጨረታ ብባንኪ ዝተረጋገፀ  CPO ካብ 2000 - 3000 ብር ከትሕዝ ዝክእል

10 ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ሰነድ ተቀባልነት የብሉን

11 ናይ ሕድሕድ ዶክመንት ኦርጅናን ኮፒን ብክልተ /2/ ፖስታ ኣሺጉ ናብ መቐለ ቢሮ ቴሞትስ ቁፅሪ ቢሮ 333 ናብ ዝተደለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክአቱ ዝክእል

12  ሰዓርቲ ሰዓርነቶንም ምስ ተገለፀሎም ድሕሪ 3 ናይ ቅሬታ ማዓልቲ በቲ ዝወፀ እስፐስፌከሽን መሰረት ዉዕል ዝኣስርን ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያን መፅዐንን መረጋፍን ፅሬት ዘለዎ ንብረት ናብ ኣግበ ቴሞ መ ማእከል ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ዕለትን ከቅርብ ዝክእል ፅሬቱ ዘይሐለወ እንተኮይኑ ድማ በቲ ጨረታ መሰረት ተቀፂዖም እቲ ንብረት በቲ ዝወፀ ስፐስፌከሽን መሰረት አታዊ ይገብሩ

13  ተጫረቲ ንጨረታ መክበሪ ዉዕል 10% ናይ ዝሰዓርርዎ ዋጋ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ከትሕዝ ዝክእል

14 ኣብ ጨረታ ክጭበርብሩ ዝፈትኑ ነጋዶ ስጉምቲ ንወስድ ምኳንና ክምኡ እዉን ዘትሐዝዎ ናይ ጨረታ መክበሪ ገንዝብ /CPO/ ዝዉረስ ምኳኑ ምፍላጥ የድሊ

15 አብ እዋን ምክፋት ጨረታ ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪል ክርከቡ አለዎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ብዘይመርካቦም እቲ ጨረታ ንዘይ ምክፋት ኣይንግደድን

16 እቲ ጨረታ ዕለት 05 /02 /2008 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሰሊ ዕለትን ሰዓትን 4:30 ኣብ መቐለ ቢሮ ቴ/ሞ/ት/ስ ቁፅሪ ቢሮ 333 ተጨረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘለዉሉ ይከፈት

17 ካሊእ ኣብ ኣዋጅ ቁፅሪ 255/ 2007 በዘሎ ነዚ መተግበሪ ዝወፀ መምርሒ በዝኣዘዞ መሰረት ይፍፀም ኣብዚ ዝሰፈረ ምስቲ ኣዋጅን መምርሒን ዝጓነፅ ቃል ከም መምርሒ ኮይኑ ኣየገልግልን

18 ቤት ፅሕፈትና 20% ካብ ሕድሕድ ኣይተም ናይ ምውሳክ ወይ ናይ ምቅናስ መሰሉ ሕልዉ እዩ

19 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 09 48 53 62 08 /09 33 10 48 33  /09 14 29 05 93 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo