ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኮረም ከይዲ ሰራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ኣብታ ከተማ ንዝርከብ ኣብያተ ፅሕፈት ኣገልግሎት ዝዉዕሉ ምድብ ፅሕፈት መሳርሕን ናይ ፀፀር መንገዲን ከስርሕ ስለዝደለየ ንመሳርሒ ፅሕፈት ከምኡውን ኣብ ከባቢታት መቃብር ኣስላም፣ መረዋ ምውጫ፣ ዓዲ ዳንደርን ሓወሰዋን መንገዲ ፀፀር ከስርሕ ይደሊ፡፡

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስነ ከተማ ኮረም

ንመሳርሒ ፅሕፈት ካብ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም መቅረብቲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዳሩ ክገዝእ ይደሊ ።

1 ስለዚ ተጫረቲ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኮረም ከይዲ ሰራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ከተማ ኮረም ብምዃድ ንነብሰወከፍ ሎት ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ዕለት 16/07/2011 ዓ/ም ክሳብ 01/08/2011 ዓ/ም ኣብ ስራሕ ሰዓት ብምዃድ ምዉሳድ ይክእሉ።

2 እቲ ጨረታ ዕለት 01/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኮረም ይክፈት።

3 ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ዝርዝር ረቆሒታት ኣብ መምርሒ ተጫረቲ ምርኣይ ይከኣል፡፡

4 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0345-510258/ 0345-510562 /0925-449749 0914-786225 /ምሕታት ይከኣል፤

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo