ማእከል ቤት ህንፀት ኣክሱም ንቲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ስራሕቲ ዝዉዕሉ ንናይ 2011 ዓ /ም በጀት ላፕቶፕ ዲስክቶፕ ኮምፒዩተር ፍሪጅን ሩፈሩፍን መደርደሪ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ቤት ህንፀት ኣክሱም

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም፤

2 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ካርዲ መለለዩ ቁፅሪ ወይድማ ቲን ናምበር ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ምስክር ወረቀት ከምኡዉን ነይ ወርሒ ለካቲት 2011 ዓም ቫት ዲክላራሽን ሪፖርት ዝገበርኩም ምስዘይምለስ ቅዳሕን ዋናን ክተቅርቡ እትክእሉ፤

3 ተጫረቲ ኣብ ዝቀርብ መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ እንተሃሊዎ ተቀባልነት የብሉን ።ከምኡዉን ናይቲ ትካል ሽምን ፊርማን:ኣድራሻን:ክህሉ ኣለዎ ። እቲ ጨረታ ዝርከበሉ ማእከል ቤት ህንፀት ኣክሱም ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክፍሊ ቁፅሪ 12 ብምቅራብ ንዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ንምዕዳግ ዘይምለስ ኮምፒዩተር ፍሪጅን 50.00 ቅርሺ ንርፍሩፍ 30.00 ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት መፂኢኩም ክትወስዱ ንሕብር፡፡

4 እቲ ጨረታ ዝወፀሉ ዕለት 16/07/2011 ዓ/ም ክሳብ 02/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 4፡ 00 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ ግዘ ብዝተዓሸገ ፖሰት ዋና ምስ ዘይምለስ ቅዳሕ ብምትሕሓዝ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ዝርከብ ሳንዱቅ ክተእትዉ ትክእሉ

5 እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ ድማ በቲ ዕለት እሱ 02/08/2011 ዓ /ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ልክዕ ሰዓት 4፡ 15 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ዘይተረከበ ተጫራታይ ድማ ፖስታ ይክፈት ንዘቅርብዎ ሕቶ ግና ተቀባልነት ዘየብሉ ምካኑ ክፈልጥ ኣለዎ

6 ኮምፒዩተር ፍሪጅን መክበሪ ጨረታ 5,000 ቅርሺ፣ ንናይ ሩፈሩፍን መደርደሪ ንብረት 3,000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብሲፒኦ ከትሕዙ ክክእል ኣለዎ፡፡

7 እቲ ትካል 20% ናይ ምዉሳክ ወይ ምንካይ መሰል አለዎ

8 እቲ ጨረታ ዝሰዓር ተወዳዳራይ ብመምርሒ መሰረት መክበሪ ዉዕል ብጥረገንዘብ 10 ሚኢታዊ ካብ ዝሰዓሮ ንብረት ትሕጃ ከትሕዝ ዝክእል፤

9 ሰዓራይ ጨረታ ንብረት ወዕል ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩን ኮምፒዩተር ፍሪጅን ሩፈሩፍን መደርደሪ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልትታት ብናይ ባዕልቶም መጋዕዝያን መፅዓንን መራገፍን ወፃኢ ሸፊኖም ናብ ቤት ህንፀት ከተማ ኣክሱም ንብረት ክፈሊ ኣታዊ ክገብሩ ይግባእ፡፡

10 ናይ ላፕቶፕ ዲስክቶፕ ኮምፒዩተር ፍሪጅን ካልኦት ዓይነት ንረት ዉሕስና ዘድልዩም ንበረታትን ንሐደ ዓመትን ልዕሊኡን ጋራንቲ ክኣስር ዝክእልን ርፍሩፍን መደርደሪኦም በዓሎም ገጢሞም በዓል ፈቲኑ ከረክብ ዝክእል ክከዉን አለዎ፤

11 ማእከል ቤት ህንፀት ኣክሱም እቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0347-754682 ምድዋል ይከኣል እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo