ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር ከተማ ዓዲግራት ቀበሌ 02 መስፋሕፍሒ ሓዱሽ ፕሮጀክት ስራሕቲ ውሽጢ ንውሽጢ ህንፀት መንገዲ ንምስላጥ ብብርኪ GC2 RC2 ልዕሊኡን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ፡፡

ፋብሪካ መድኃኒት አዲስ

1 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ብቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን መጋዓዝያን ዝወሃብ ብርኪ ትካል ምስክር ወረቀት ፍቃድ ስራሕ ወረቀት ምስክር ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፣ ወረቀት ምስክር ናይ ዝሓለፈ ዲክለር ዝገበርሉ መረዳእታ ፣ መቅረባይነት ወረቀተ ምስክር ከቅርቡ ኣለዎም፤

2 መከበሪ ጨረታ 5000.00 ሽሕ ቅርሺ ብቤሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዝተፈቀደሎም ባንክታት ፋይናንሳዊ ትካላት ሌተር ኦፍ ክሬዲት ከቅርቡ ኣለዎም፡፡

3 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ሳይት ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 180 ተከታተልቲ መዓልታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም፡፡

3 ተጫረቲ ብ ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ ፕሮጀክት ዝተዳለወ ሰነድ 300.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 16/07/2011ዓ/ም ካብ ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ ምስፋሕ ፕሮጀክት ከተማ ዓዲግራት ምውሳድ  ይከኣል፡፡

4 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቀዳሕን ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን መጋዓዝያን ዝወሃብ ብርኪ ትካል ምስክር ወረቀት ፍቃድ ስራሕ ወረቀት ምስክር ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፣ ወረቀት ምስክር ናይ ዝሓለፈ ዲክለር ዝገበርሉ መረዳእታ ፣ መቅረባይነት ወረቀተ ምስክር ከቅርቡ ኣለዎም፤ ሰነዳት ኣብ ዝ/ዩ ፖሰታታት ምስዓሸጉ ኩሎም ዝተዓሸጉ ፖስታታት ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ ብዝርአ ቀለም ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቁፅሪ ክፈሊ 08 ዝተዳለ ሳንዱቅ ጨረታ ክሳብ 07/08/2011ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትው ኣለዎም፡፡

5 07/08/2011 ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ልክዕ ሰዓት 4፡30 ኣብ   ምስፋሕ ፕሮጀክት ይክፈት፡፡

6 ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ ምስፋሕ ፕሮጀክት ብኣካል ብምቅራብ ወይ ብስ.ቁፅሪ 0344-452794/0914-746564 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፤

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo