ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዝ/ዩ ናውቲ ሕትመት፣ ፍርናሽ ኣንሶላን ኮበርታን፣ ሓዱሽ ኣማራፂ ቴክኖሎጂ ፈነወ ፕላዝማ በሰብ ሞያ ምትእትታው ስራሕ ፒኣይኤምኤስ ሰብ ሞያ ዘመናዊ ብዝኮነ መንገዲ ምትእትታው ስራሕ ብግልፂ ብጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ከሐትምን ከስርሕን ይደሊ፤

ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ

1 ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፋቃድ ንግዲ ዘለዎ፤

2 ወረቅት ምስክር መቅረባይነት ዘለዎም

3 መረዳእታ መለለይ ከፋለይነት ግብሪ ከቅርብ ዝክእል

4 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነ ናይ ወርሒ ጥሪ 2011 ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

5 ሰነድ ጨረታ አብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ቀደማይ ደብሪ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክፍሊ ቁፅሪ 12 እንትከዉን ዘይምለሰ 30.00 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል።

6 ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 14/07/2011 ዓ/ም ክሳብ 30/07/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ኩሉ ሻብ ኣብ ስራሕ ሰዓት ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይከኣል፤

7 መከበሪ ጨረታ ሰነድ ጨረታ ንነብሲ ወከፍ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብስፒኦ ከትሕዝ ይግባእ። ኣቅራርባ ሰነድ ጨረታ ንሕድሕዶም ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ፤

8 ሰነድ ጨረታ ክሳብ ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ 30/07/2011 ዓም ሰዓት 8:45 ይዕሸግ። እዚ ጨረታ 30/07/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ይክፈት።

9 ጨረታ ሰዓራይ ጨረታ ምዃኑ ብደብደቤ ካብ ዝተገለፁ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል፤

10 ዝኮነ ተጫራታይ ብዛዕባ እቲ ሰነድ ጨረታ ካልእን መብረሂ ዘድልዩ እንተኮይኑ ብፅሑፍ ጥራይ ምሕታት ይክእል።

11 ሰዓራይ ጨረታ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ንናይ ሓድሽ ኣማራፂ ቴክኖሎጂ ፕላዝማ ንሰብ ሞያ ምትእትታው ስራሕን ፒኣይኤምኤስ ሰብ ሞያ ዘመናዊ ብዝኮነ መንገዲ ምትእትታው ስራሕ ኣብ ዉሽጢ 30 ተከታታልቲ መዓልቲ፣ ንሕትመት 30 መዓልቲ፣ ብመሰረት እቲ ዝወፀ ዝርዝር ናብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ንብረት ክፍሊ ብበዓል ሞያ ተረጋጊፁ ኣታዊ ክገብር ዝኽእል፤

12 ዝኾነ ተጫረታይ ቤት ዕዮና ኣብ ዘቀመጦ ዝርዝር ምውሳኽ ወይ ምንካይ ካብ ውድድር ወፃኢ ዝገብር ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ።

13 እቲ ቢሮ ዝሐሸ አማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ ዝተሐለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-403477 / 0344-408299 ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo