ቤት ፅሕፈትን ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ መሳርሒ ፅሕፈት: መሳርሒ ኤሌክትሮኒክስ፣ መሳርሒ ሕትመት፣ አቁሑት ፅሬት ፣ ኣንሶላን ፍራንሽን፣ ዕጥቂ ስፖርት: ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ላዕላይ አድያቦ

1 ናይ 2010 ዓም ግብሪ ዝከፈለ ፤ 

2 ናይ 2011 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰ

3 ንቁፅሪ 1 2 3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነን ናይ ወርሒ ለካቲት 2011 ዓም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘወራረደሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

4 መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ከቅርብ ዝክእልን ከምእዉን ናይ ዝተሐደሰ መረዳእታ መቅረባይ ከቅርብ ዝክእል፤

5 ኣብ መንግስታዊ ጨረታ ዝተኣገደ ዝኮነ ይኩን ትካል ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይፍቀድን፤

6 ከይዲ ጨረታ ብዘይአግባብ ንመዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሕትትን ጨረታ ከይሳተፉ ክሳብ ምእጋድ ዘስዕብ ስጎምቲ ምካኑ ክፈልጡ ይግባእ ፡፡

7 እቲ ሰነድ ሽም: ኣድራሻ : ፊርማን ማህተምን ክዓርፎ አለዎ

8 እዚ ሰነድ እንትምልኣ ብቲ ዝቀረበ ዝርዝር ረቆሒታት መሰረት ክምላእ አለዎ ናይ ባዕልካ ዝርዝር ረቆሒታት ምእታዉ ኣይፍቀድን፤

9 ግልፂ ምስ ኣይኮነን አሉ ምስ ዝኣምን ድማ ብኣካል ቀሪቡ ክሐትት ይግብእ

10 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ን 25 መዓልቲ ይከዉን

11 መከበሪ ጨረታ ንነብስከወፍ ንቁፅሪ 1 2 3 4000 ቅርሺ፣ ን 4 5 6 ድማ 3000 ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይድማ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ዝልቀቀሉ ሰዓራይ ዉዕሊ ምስ ኣሰረ ይከዉን ፤

12 ሰዓራይ ዉዕሊ ክኣስረ ከአሎ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ዉዕል መከበሪ ከትሕዝ ዝክእል፤

13 ዉዕሊ ምስ ኣሰረ ድማ ቀልጢፉ ንብረት ኣታዊ ዝገብርን ቐልጢፉ ድማ ከወራርድ ዝክእልን

14 ብተወሳኪ እቲ ዝሰዓረ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ተጠቀምቲ ዘቅርብ

15 ሰነድ ጨረታ ካብ 12/07/2011 ዓም ክሳብ 26/07/2011 ዓ/ም ሰነድ ጨረታ ዘይመለስ 60 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈትን ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ኣዲያቦ ክትወስዱ ትክእሉ ፤

16 ጨረታ 27/07/2011 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ይክፈት 18 ብተወሳኪ ካብ ጠቅላላ ዋጋ እቲ ጨረታ 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ መሰል አለዎ

17 እተ ቤት ፅሕፈት ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ኮን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

18 ጨረታ ምስተከፈት ከም ኣድላይነቱ ነቲ ዝግዛእ ኣቅሓ 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክንኪ ይክእል እዩ፡፡

 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-320094

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo