ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ዓ/ሓቂ ዝርከብ ናይ ማሕበርና መንበሪ ህንፃ ፕሮጀክት ኮንስትራክሽን ስራሕቲ ን ኮንስትራክሽን ትካላት/ ኮንትራክተራት/ ኣጫሪቱ ከስርሕ ስለዝደለየ ብህንፃ ኮንስትራክሽን /Building Constriction/ ደረጃ 6ተ ልዕሊኡን ዝኮንኩምን ንክትወዳደሩ ንዕድም፡፡

67 ፋና ዓርሰ ሓገዝ መንበሪ ኣባይቲ መቐለ

1 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ፣ ናይ ኮንስትራክሽን ምዝገባ ምስክር ወረቀት፣ ቲን ናይ 2011ዓ/ም መቅረባይነት ዝተሓደሰ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፡

2 ናይ ጨረታ ውሕስና ካብ ዝተፈቀደሎም ዝተፈለጡ ባንክታት ዝወሃብ ኣብ ኩነታት ዘይትመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ወይ ናይ ገንዘብ ክፍሊት መአዘዚ ሲፒኦ ብር 30000.00 ሽሕ ከትሕዝ ዝክእል፤

3 ኩሎም ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 11/07/2011ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ቀ/ወያነ ቢሮ ቁፅሪ ሐ-317 ዘይምለስ ብር 100.00 ብምክፋል ክገዝኡ ይክእሉ እዮም፡፡

4 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፐሮጀክት ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ነኒበይኑ ዶክመንት ሓደ ኦርጂናልን ክልተ ኮፒ ጨረታ ሰነዳት ንኮንስትራክሽን ትካልኩም ዝተውሃበ ምዝገባ ሰርቲፊኬት፣ ናይ ቲን ምዝገባ መረዳእታ፣ ውሕስና ጨረታ ቢድ ቦንድ ኣብ ዝ/ዩ ፖስታታት ብምዕሻግ መሊሶም ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብቲ ልዕሊ ፖስታ ሽም ዝጫረትሉ ፕሮጀክትን ኣድራሻን ብዝርአ ቀለም ብምፅሓፍ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ ሐ-317 ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ ዕለት 14/07/2011ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትው ይክእሉ እዮም፡፡

5 እዚ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ዕለት 14/07/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3፡00 ቅ.ቀትሪ ተዓፅዩ ሰዓት 3፡30 ኣብ ቢሮ ቁፅሪ ሐ-317 ይክፈት፡

6 እቲ ማሕበር ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0910-829741 ደዊልካ ምርካብ ይከኣል፡፡

ፋና ዓርሰ ሓገዝ መንበሪ ኣባይቲ መቐለ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo