ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ጋንታ ኣፈሹም ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓም ንኣብየተ ፅሕፈት እቲ ወረዳ ግልጋሎት ዝዉዕሉ 2ይ ዙር ጨረታ መሳርሒ ፅሕፈት : ኣቅሑት ኤሌክተሮኒክስ ፣ ኣቅሑት ፅሬት ፣ሕትመት፣ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና: መለዋወጢ ኣቅሑት ሞተር ሳይክል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጋንታ አፈሹም

1 ንመለዋወጢ ኣቅሑት መኪና ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመገብን ናይ ወርሒ ለካቲት ናይ 2011 ዓ/ም ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

2 ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ናይ 2011 ዓም ከቅርብ ዝክእል፤

3 ዝተሐደሰ ወረቀት ምክስር ከምእዉን መለለይ ቍፅሪ ከፍልቲ ግብሪ ከቅርብ ዝክእል፤

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ከፊሎም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ጋንታ ኣፈሺም ደጋፋ ከይዲ ስራሕን ንብረት ምምሕዳርን ምዉሳድ ይከኣል፡፡

5 መከበሪ ጨረታ ንመላወጢ ኣቅሑት መኪና 5000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ መሳርሒ ፅሕፈት 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ኤሌክትሮኒክስ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንኣቅሑት ፅሬት 3000 ፣ ሕትመት 3000 ሽሕ ቅርሺ፣ ንመለዋወጢ ኣቅሑት ሞተር ሳይክል 3000.00 ሽሕ ቅርሺ : ብጥረ ገንዝብ ወይ እዉን ብሰፒኦ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ዝተዉሃበ ብሽም እቲ ቤት ፅሕፈት ከትሕዝ ዝእክል፤

6 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡፡

7 ሳንዱቅ ጨረታ ዝርከበሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ጋንታ አፈሹም ኮይኑ እቲ ጨረታ ካብ 12/07/2011 ዓ/ም ጀሚሪ ንተጫረቲ ክፍቲ ይከዉን

8 ሳንዱቅ ጨረታ 03/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ድሐሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣበ ዝተረከብሉ ይክፈት፡፡

9 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝን ወፃኢን ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ጋንታ አፈሹም ከቅርቡ ይግብእ፡፡

10 ተጫረቲ ኣብ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን ከምእዉን ንዝወሰድዎ መወዳደሪ ሰነድ ዋላ ሓንቲ ከይ ኣጉደሉ ንነብሰ ወከፍ ማህተም ክታምን ክዕርፍሉ ይግባእ፡፡

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-451137 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡ 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo