ኣብ ሚሊ ከተማ ዝርከብ ቤት ፅሕፈትና ናይ ማይ ምምልላስ አገልግሎት ዝትሕብ ቦጥ መኪና ብጨረታ አወዳዲሩ ዉዕሊ ንምዕሳር ስለዝደሊ ኣብ ታሕቲ ዝተጠቐሱ ረቋሒታት ተማልኡ ናይ ማይ መመላለሲ ቦጥ መኪና መካረይቲ ትካላት አብቲ ጨረታ ንክሳተፉ ይዕድም

ትራንስ ኢትዮጽያ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር

1 ተጫራታይ ምስቲ ዝወፀ ጨረታ ዝዛመድን ናይ 2007 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድን ናይ ዋንነት ሊብሬ ክሕልዉ ይግባእ

2 ዝርዝር ናይቲ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 50 ብምክፋል ካብ ዋና ቤ/ፅሕፈት መምርሒ ዕደጋን ቀረብ ንብረት ቁፅፅርን ምዉሳድ ይከኣል

3 ተወዳደርቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይቲ ዘቅረብዎ ጠቅላላ ዋጋ 2% ብሽም ትራንስ ኢትዩጰያ ሓ.ዝ.ዉ.ማ ናይ ጨረታ ዉሕስና ብሲፒኦ ከትሕዙ ይግባእ

4 ኣብ መዓልቲ ድማ 2 ጊዜ ምልልስ አለዎ: መጠን ትሕዝቶ ታንከር ካብ 16 ሜትር ኩብ ንላዕሊ እንትከዉን ነዳዲን ካልኦት ዘድልዩ ወፃኢን ሙሉእ ብሙሉእ ተጫራታይ ከምዝሸፍኖም ክፈልጥ አለዎ

5 ተጫራትቲ መኪና ምስ ቦጣ ወይ ድማ መኪና ጥራሕ ብምቅራብ ክወዳደሩ ይኽእሉ

6 እቲ ዘቅርቡዎ ዋጋ ብመዓልቲ ብሊዝ ክኸዉን አለዎ ዝፀንሐሉ ግዜ እንተነአሰ ንሐደ ወይ ድማ ንክልተ ወርሒ ከምዝኮነ

7 ናይቲ ጨረታ ካብ ዕለት 10/01 /2008 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ መምርሒ ዕደጋን ቀረብ ንብረት ቁፅፅርን ወይ ድማ ካብ ሚለ ኦፕሬሽን አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል

8 እቲ ጨረታ መስከረም 21/01/2008 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 4:30 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዘለዉዎ አብ መምርሒ ዕዳጋን ቀረብ ንብረት ቁፅፅር ከምኡዉን አብ ሚሊ ኦፕሬሽን ዩኒት አብ ሐደ ሰዓት ይክፈት

9 ተጫራታይ አሸናፊ ሙዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ብምዕሳር ክጅምር አለዎ

10 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ  0344416439 /0344408205 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo