ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ን2011 ዓ/ም ግልጋሎት ዝዉዕል መሳርሒ ፅሕፈት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ሓወልቲ

1 በቲ ዘርፊ ዝተመዝገብኩም ነጋዶ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ወረቀት ምስክር መቅረባይነትን ክተቅርቡ ትክእሉ፣ወረቀት ምስክር መለለይ ከፈልቲ ግብሪ ዋናን ቅዳሕን ክተቅርቡ ትክእሉ፣

2 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን ናይ ወርሒ ለካቲት 2011ዓ/ም ዲክለር ዝገበርኩም መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ፣

3 ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 10/07/2011ዓ/ም ክሳብ 25/07/2011ዓ/ም ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 100 ብር ብምክፋል ኣብ ክ/ከተማ ሓወልቲ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 6 ምግዛእ ይከኣል፤

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 25/07/2011ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ሰዓት 8:30 ይክፈት፤

5 ንጨረታ መከበሪ 5001.00 / ሓሙሽተ ሽሕን ሓደ ቅርሺ ብር/ ብሲፒኦ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ጥረ ገንዘብ ምትሓዝ ይከኣል እዩ፤

6 ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን እንተሃልይዎ ድማ ፊርማ ይገበረሉ፤

7 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ 60 መዓልታት ይከውን፤

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብሰ.ቁፅሪ 0344-406285 ምድዋል ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo