ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ናይ ሕትመት ስራሕትን፣ኮምፒተርን ተዛመድትን ኣቅሑትን ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ንግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይድሊ፡፡

ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ

1 ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

2 ናይ ግብሪ ከፈልቲ መለለይ ቁፅሪ ቲን መረዳእታ ዘቅርቡ፣

3 ዝተሓደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ናይ ቫት ምዝገባ ምስክር ወረቀት ከምኡውን ናይ ወርሒ ጥሪ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

4 መከበሪ ጨረታ ሎት 1 15000..00 ሽሕ ቅርሺ፣ ሎት 2 5000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ውሕስና ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ፤

5 ናይ ጨረታ ሰነድኩም ሓደ ዋናን ሓደ ቅዳሕን ጨረታ ሰነድ ብዝትዓሸገ ፖስታ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ቢሮ ቁፅሪ 42 ኣብ ናይ ቢሮ ሰዓት ምእታው ትክእሉ፤

6 እቲ ጨረታ ካብ 08/07/2011ዓ/ም ን15 መዓልታት ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ 23/07/2011ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተዓፅዩ ሰዓት 4፡00 ይክፈት፡፡

7 ሰዓራይ ትካል በቲ ዝወፀ ዝርዝር ስፔስፈኬሽን መሰረት እቲ ንብረት ከቅርብ ኣለዎ፡፡

8 ሰዓራይ ትካል ትካል ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ውዕሊ ክኣስሩ ዝክእሉ ውዕሊ ካብ ዝኣስርሉ ዕለት ጀሚሩ ድማ ናይ ሕትመት ስራሕቲ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ከምኡውን ናይ ኮምፒተርን ተዛመድትን ድማ ኣብ ውሽጢ 20 መዓልታት ከቅርብ ዝክእል፤

9 ሰነድ ጨረታ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር ንብረት ምዕዳግ ይከኣል፡፡

10 ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0344-404715 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo