ቤት መዘጋጃ ከተማ ኣጉላዕ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ንትካሉ ዘገልግል ሞተር ሳይክል ክገዝእ ስለዝደለየ ኣብቲ ዝወፀ ግልፂ ጨረታ ክትወዳደሩ ንዕድም::

ቤት መዘጋጃ ከተማ ኣጉላዕ

1 በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ፤

2 ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቁፅሪ ቲን ሰርቲፌከት ከቅርብ ዝክእል፤

3 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገቡ ዝኮነ፤

4 በቲ ዘፈር መቅረባይነት ዘለዎ ፤

5 ዊዝ ሆልዲንግ ታክስ ዝከፈሉ ምካኖም መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ምቅራብ :

6 ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ብንፁርን ብዝርዝርን መረዳእታታት ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ምቅራብ ዝክእሉ፤

7 ብሕጋዊ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ብር 5000.00 ከትሕዝ ዝክእል፤

8 ሰዓራይ ዝኮነ ኣካል ብናይ ባዕሉ መፅዓንን መራገፍን ናብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ኣጉላዕ ኣምፂኡ ኣታዊ ከገብር ዝክእል፤ ብበዓል ሞያ ምስተረጋገፀ ድማ ሒሳቡ ከከፍል ዝክእል፤

9 ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ማለት ናይ ወርሒ ጥሪ ሒሳቦም ዲክለር ዝገብርሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉን በዚ መሰረት ዘይምለስ ብር 50.00 ብምክፋል ዝተዳለወ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ኣጉላዕ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ብምዉሳድ ንዕድም፤

10 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ሎሚ ዕለት 03/07/2011 ዓ/ም ክሳብ 16/07/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ሰነድ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ይእቱ ኣብቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 8:30 ሳንዱቅ ጨረታ ይዕሸግ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ተወዳደርቲ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት::

11 ሰዓራይ ኮይኑ ዝተረከበ ኣካል ውዕሊ ብምእሳር ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝክእል ብውዕሉ መሰረት ድማ ኣብ ሰዓቱ ከረክበ ዝክእል፤

12 ብውዕሊ መሰረት ፅሬቱ ዝተረጋፀ ኣብ ዝተነፀረ ሰዓት ዘየቀረበ እንተዘይኮይኑ ዘትሓዞ መከበሪ ውዕሊ ናብ ካዝና መንግስቲ /ቤት ፅሕፈትና/ ኣታዊ ዝከውን ምካኑ ብተወሳኪ ኣብ ጨረታ ሰነድ ይኩን ኣብ ጨረታ እዋን ክዳናገር ከጭበርብር ዝፈተነ/ት ዘትሓዞ መከበሪ ጨረታ ኣታዊ ይከውን፤ ብተወሳኪ ካብ ጨረታ ዝእገድ ምካኑ ድማ ኣቀዲምካ ምርዳእ የድሊ፤

13 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0343-140006 ምድዋል ይከኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo