ካብ መደበኛ በጀት ን 2008 ዓ∙ ም በጀት ዓመት ንናይ ወረድኡ ኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ኤለክትሮኒክስ ፣ናይ ዝተፈላለዩ ሞዴላት መካይን ጎማ ምስ ካለማዳርያኡ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ዝለዝደሊ እዞም ዝስዕቡ ረቀሕታት ተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም

2 ቲን ነምበረ ማለት እዉን መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ  ናይ መቅረባየነት ሰርቲፊኬት  ዋናን ቅዳሕን  ከቅርቡ ዝክዝሉ

3 ተመዝገብቲ ስቴት ታክስ  ዝኮኑ ናይ ወርሒ ሓምለ ሒሳብ ዘወራረዱ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

4 ተጨረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 13 ክሳብ 28 መስከረም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋየናንስን ወረዳ ፀገዴ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ንሕድሕድ ዘይምለስ 50 ቅርሺ  ብምክፋል  ምዉሳድ ይካኣል እዚ ማለት ሎት  ሓደ ኤለክትሮኒክስ ፡ሎት ክልተ ናይ መኪና ጎማ ምስ ካላማደረ

5 ተጫረቲ መክበሪ ጨረታ ንሕድሕድ ሎት 5000 ቅርሺ  ብጥረ ገንዘብ ወይንድማ  ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዙ ኣለዎም

6 ጨረታ ዝካየደሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ ኮይኑ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ 20 መስከረም 2008 ዓ∙ ም ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፂዩ  በቲ ዕለት  ሰዓት 4 ፡30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይንድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣበ ዝተረከብሉ ይክፈት

7 ተጫረቲ ወይንድማ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምረካቦም  ናይቲ ጨረታ ስነስርዓት  ኣይተኣጋጎልን

8 መዓረ ዋጋ ንዝመልኡ  ተወዳደርቲ እቲ ቤት ፅሕፈት ንዝበዝሐ መጠን ንብረት  ዝሰዓረ መርሚሩ ይህብ

9 ተጫረቲ  ሰዓራይ ኮይኖም  ምስተረከቡ ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ናይ ዝሰዓርዎ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚኢታዊ ብምትሓዝ ዉዕሊ ኣሲሮም ንብረት ብናይ ባዕሎም  መጋዕዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ ብባዓል ሞያ  ኣፈቲሾም ኣብ ዉሽጢ 15  ተከታተልቲ መዓልትታት የረክብ

10  ቢሮና  ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።ከምኡዉን ክሳብ 20 ሚኢታዊ መዉሳክ ወይንም ምንካይ ይካኣል እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ  0918083986    ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo