ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጓዕዝያን ወረዳ ፀለምቲ ኣብ 2011 በጀት ዓመት ኣብ ከተማ ማይ ፀብሪ ናይ ማእከል ፅርግያ መብራህቲ ኤለክትሮ መካኒካል ኢንስታሌሽን ስራሕቲ ንምስራሕ ደረጃ 3ን ልዕሊኡን ብፉሉይ ኤሌክትሮ መካኒካል ብርኪ ፍቃድ ስርሕ ተኮናተርቲ ኣጫሪቱ ከስራሕ ይደሊ፤

ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንግድን መጋዕዝያን ወረዳ ፀለምቲ

1 ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ ናይ 2011 ዓ/ም ናይ ስራሕ ግብሪ ዝከፈልሉን ፍቃድ ዘሐደስሉን መረዳእታ ከቅርቡ አለዎም

2 ኣብ ቢሮ ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ክልልትግራይ ዝረከብ ቀንደ ከይዲ ስራሕ ኮንስተራክሽንን ቁፅፅርን ምዝገባን ፍቃድ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ ወይድማ ናይ 2011 ዓም ዝተሓደሰ ስራሕ ፈቃድ ካብ በዓል ስልጣን ኢነርጂ ኢትዮዽያ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይደማ ቫት ተመዝገብቲ ምስክር ወረቀትን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ዘለዎምን ቅድሚ ሐዚ ናይ ኤለክትሮ መካኒካል ኢንስታሌሽን ስራሕቲ እንተነኣስ ኣብ ውሽጢ 3ተ ዓመት ብተመሳሳሊ ስራሕ ማለት እውን ብናይ መንገዲ መብራህቲ ኤለክትሮ መካኒካል ኢንስታሌሽን /ተከላ ስራሕቲ /ሰሪሖም ምዃኖም ካብ ዝምልከቶ አካል ሕጋዊ መረዳእታ ዘቅርብን፤

4 ተጫረቲ ቴክኒካል መረዳእታኦም ከቅርቡ አለዎም፤

6 መከበሪ ጨረታ 50,000 ቅርሺ ካብ ባንኪ ብዝተዉሃበ ቼክ ወይድማ ሲፒኦ ወይዉን ናይ ባንኪ ጨረታ ዉሕስና ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ዉሕስና ትካል ከቅርቡ አለዎም፤

7 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ናይ ደገ መብራህቲ ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 90 ተከታተልቲ መዓልቲ ዉሽጢ ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚዞም ከረክቡ አለዎም

8 ኩሎም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 29/06/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንግድን መጓዕዝያን ወረዳ ፀለምቲ ኣብ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ዘይምለስ 300.00 ቅርሺ ብምክፋል ክገዝኡ ይክእሉ

9 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ፋይናንሻል ዝሓዘ ሓደ ዋና ክልተ ቅዳሕ ከምኡዉን ቴክኒካል ዝሓዘ ሓደ ዋና ክልተ ቅዳሕ ናይ ጨረታ ዉሕስና ሰነዳት ኣብ ዝተፈላለየ ፖስታታት ምስዓሸጉ ኩሎም ፖስታታት ኣብ ሕድሕድ ዋናን ቅዳሕን ብማርከር ብምፅሓፍ ን ቴክኒካል ፋይናንሻል ኢሎም ኣብ ካሊእ ዓብዩ ፖሰታ መሊሶም ብምዕሻግን ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሽምን አድራሻን ብትክክል ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዩ ፖሰታ ብማርከር ብምፅሓፍ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ 19/07/2011ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ይክእሉ እዮም፤

10 ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቀረቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ሕድሕድ ገፅ እቲ መረዳእታ ፈሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ እቲ መረዳእታ እንተዛብዑ እቲ መረዳእታ ከምቲ ክሽየጥ እንከሎ ዝነበረ እንተይአጋደሉ ከቅርቡ አለዎም ዝተጋደለን ብትክክል ዘይተመለአን ቅደም ሰዓቡ ዝተዛብዐን ሰነድ ጨረታ ካብ ጨረታ ወፃኢ የግብር እዩ፤

11 እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ 19/07/2011 ዓም ሰዓት 3:30 ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ተዓፅዮ ልክዕ ሰዓት 4:00 ናይ ቅድሚ ሰዓት ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንግድን መዕዝያን ወረዳ ፀለምቲ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ይክፈት፤

12 እቲ ከይዲ ስራሕ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ናብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንግድን መዕዝያን ወረዳ ፀለምቲ ብኣካል ብምቅራብ ወይ ድማ ብስልኪ ቁፅሪ 0346-620374 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፤

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo