ንስራሕ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ኣቁሑት ሰተሸነሪ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መመዘንቲ ረቋሕታት ተማልኡ ተወዳደርቲ ንክትወዳደሩ የዕድም። ተጫረቲ ክተማልእዎ ዝግባእ

ቢሮ ርክብ ዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

ሕጋዊ ዝተሓደሰ  ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ናይ 2007  ዓ ∙ም ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝከፈልኩም ምካንኩም መረዳእታ ተቅርቡ ትክእሉ ከምኡዉን ቫት ምምዝጋብኩም  መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ

ኣብ 2007 ዓ ∙ም ዝተሓደሰ  ካብ ቢሮ ትልምን ፋየናንስን  ናይ መቅረባይነት  ምስክር ወረቀት  ክተቅርቡ እትክአሉ

ተወዳደርቲ  ምክበሪ ጨረታ ቢድቦንድ ብባንኪ ብዝተረጋጋፀ ሲፒኦ ብሽም ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ 3000 ቅርሺ ከትሕዙ ዝክእሉ

ተጨረቲ ዝርዝር ሰነድ  ጨረታ  ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል  ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ቢሮ  ቁፅሪ 22 ይወስዱ

ተጫረቲ ናይ ወርሒ ሓምለ ዝከፈልኩምሉ ዲክላራሲዮን ክተቅርቡ እትክእሉ ከምኡዉን ጨረታ ሰነድ ዋናን ቅዳሕን ብዝተዓሸገ  ፖስታ ክሳብ ሰዓት 4 ፡00  20 መስከረም 2008 ዓ ∙ም ተእትዉ ትክእሉ

ጨረታ 20 ምስከረም  2008  ዓ ∙ም ሰዓት 4፡ 00 ተዓፂኡ ባዕሎም ወይንም ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ 20 መስከረም 2008 ዓ ∙ም  ሰዓት 4 ፡30 ይክፈት።

ቢሮና  ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።ከምኡዉን ክሳብ 20 ሚኢታዊ መዉሳክ ወይንም ምንካይ ይካኣል እዩ።

ሰዓራይ ዝኮነ ኣካል እቲ ኣቁሑ ብናይ ባዕሎም መጋዓዝያ ኣብ 10 መዓልቲ ዉሽጢ ናብ ቢሮና ኣታዊ የገብር።

ናይ መጫረቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ 20 ናይ ስራሕ መዓልቲ ይከዉን

ካብቲ ብቢሮና ዝተዉሃበ ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ቀይርካ ምምላእ ኣየካኣልን ከምኡዉን ናይ ጨረታ ሰነድስርዝ ድዕዝም ግልፂ ኮይኑ ዘየንበብ እንተኮይኑ ተቀባለነት የብሉን

ኩሉ ዓይነት ንብረት ኦርጂናልን ቀዳማይ ደረጃን ከከዉን  ኣለዎ።ብባዓል ሞያ ምስተረጋገፀ ኣታዊ ይከዉን

ኩሉ ዓየነት ንብረት ኦርጂናል መካኑ ከፊትና ነረጋግፅ ምካና ንሕብር።ከምኡዉን ፕሪንተር ቀለም መለለዩ ቁፅሪ ዘለዎ ክከዉን ኣለዎ

እቲ ቫት ኣብ ሕድሕድ ዓየነት ኣቅሓ ናይ ሓደ ዋጋ በዓልኩም ደሚርኩም ኣቅምጥዎ።ቫት ይዉስክ ኢልካ ምፅሓፍ ተቀባልነት የብሉን

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo