እዞም ዝስዕቡ ሀለቅቲ ናይ ቢሮ አቁሑት ፣ፅሕፈት መሳርሒ፣ኣቁሑት ኤለክትሮኒክስን ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።ስለዚ ክትጫረቱ ትደልዩ ተወዳደርቲ ነዚ ዝስዕብ ረቋሒ ክተማልኡ ኣለኩም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ

 ናይ ግብሪ ዝኸፈልኩም  ሕጋዊ ዝተሓደሰ ናይ 2007 ዓ∙ ምን 2008 ዓ∙ ም ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም

ቲን ነምበር ዝተሓደሰ  ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ዘለኩም

ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩም ናይ እዋኑ ዲክለር ዝገበርኩም ክተቅርቡ እትክእሉ

ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 9 መስከረም 2008 ዓ∙ ም ከሳብ 24 መስከረም 2008 ዓ∙ ም ዘይምለስ ንሕድሕድ ሰነድ 50 ቅርሺ  ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ ግልጋሎት ዕደጋ እናመፃእኩም ምዉሳድ ትክእሉ

ናይ ጨረታ ሰነድ ብዋናን ቅዳሕን ብፖስታ ብዝተዓሸገ ክሳብ ዕለት 25 መሰከረም 2008 ዓ∙ ም ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታዉ ትክእሉ

እቲ ጨረታ  24 መስከረም 2008 ዓ∙ ም ሰዓት 8 ፡30 ተዓፂኡ ሰዓት 8፡ 45 ብተመሳሳሊ ዕለት ባዕሎም ወይንም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ብኣካል ዘይተረከበ እዉን ዝተማልአ ሰነድ ብምቅራብ ይክፈት

መክበሪ ጨረታ3000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይንም ብ ሲፒኦ ክተቅርቡ እትክእሉ

ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እየ

ዝኮነ ይኩን ተጫራታይ መምርሒ ጨረታ ኣካል ዉዕሊ ምካኑ ፈሊጡ ክቀርብ ኣለዎ

ነተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0345540333 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo