ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ዓይደር ንቤት ማዘጋጃ ሓምለዋይ ኣገልግሎት ዝውዕል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክስርሕ ይደሊ፤

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ዓይደር

1 ናይ ዘመን ግብሪ ዝከፈሉ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቓድ :ቲን /TIN/ : እዋናዊ VAT (ቫት ዲክሌር) ዝገበረን ኣብ መቕረብቲ ዝተመዝገቡ መረጋገፂ ዘቅርብን ፤

2 በዚ መሰረት ዝተዳለወ ስፐስፍኬሽን ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 21/06/2011 ዓ/ም ክሳብ 05/07/2011 ዓም ጀሚሩ ዘይምለስ ብር 50.00 ብምክፋል ጨረታ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ምዉሳድ ይከኣል፤

3 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 05/07/2011 ዓም ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት 05/07/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪላት አብ ዘለዉዎ ይክፈት ተዘይሃለዉን ዉን ኣብ ዉሽጢ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፐስታ ብስርዓት ይክፈት ይግምገምን፤

4 ናይ ጨረታ መከበሪ ብር 15000 ሽሕ ቅርሺ ካብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ብሰፒኦ ወይ ጥረ ገንዝብ ከትሕዝ አለዎ፤

5 ተጫራታይ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ ሐደ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒን ብዝተዓሸገ ፖስታ የቅርብ

6 ሰዓራይ ምስዓሩ ምስተረጋገፀ ኣብ ውሽጢ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብኣካል ብምቅራብ ውዕሊ ክኣስር ይክእል፤

7 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ እቲ ጨረታ ቡሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ኣድራሻና -ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ታሕታዋይ በሪ

ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342-419267 ደዊልካ ምሕታት ይክእሉ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo