ማእከል ምርምር ሕርሻ ሑመራ ብናይ መደበኛ በጀት 2011 ዓ/ም ምድብ 1 ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑት፣ ምድብ 2 ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑትብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤

ማእከል ምርምር ሕርሻ ሑመራ

በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ሮቆሒታት ብምምላእ ተዳሓሒዙ ዝቐረበ ዝርዝር መሰረት ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ትጫረቱ ከምትኽእሉ ነፍልጥ::

1 ብተዛማዲ ስራሕ ዝተሃደሰ ንግዲ ፈቓድ ዘለዎ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእልን ኣብ ናይ መቅረባይ ዝተመዝገበን ግብሪ ዝኽፋልሉ ምስክር ወረቐት ኮፒ ከቕርብ ዝኽእል::

2 ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ንሕድሕድ ምድብ 3000 (ሰለስተ ሽሕ) ብማእከል ምርምር ሕርሻ ሑመራ ሽም CPO ወይም ቢድ ቦንድ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ::

3 ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክሲ(VAT) ተመዝገብቲነ ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2011 ዓ/ም ዲክለር ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ኽቕርቡ አለዎም::

4 እቲ ጨረታ ብክልተ አንቨሎፕ ተዓሺጉ ክቐርብ ዘለዎ እንትኸዉን ዋንኡ ኦርጅናል ምስ ኮፒ ሰነድ ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማሐተምን ክህልዎ ይግባእ ::ናይ ንግዲ ፈቃድ: ቲን ዝተመዝገብሉ :ቃለ መሓላ ናይ ኣቕራባይ ምዝገባ ምስክር ወረቐተ: CPO ወዘተ ዘድሊ ሰነድ ብኦርጅናል ዶክመንት ከተሓሓዝ አለዎ::

5 ሰነድ እቲ ጨረታ ኣብ ቢሮ ቑፅሪ 09 ዘይምለስ 50 / ሓምሳ ብር/ ከፊሎም ብምዉሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይኽእሉ ከምኡዉን ተጫረቲ ብዘቅረብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ሽሞም ፊርማ ኣድራሻን ክገልፁ አለዎም::

6 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ መብርሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዎም ቅድሚ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ገደብ ብስልኪ ቑፅሪ 03 42-482209 ክሓቱ ይክእሉ::

7 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 20/06/2011 ዓ/ም እስካብ 05/07/2011 ዓ/ም ኾይኑ ዕለት 05/07/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ አብዚ ዕለት እዙይ ማለት ዉን 05/07/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ አብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ሑመራ ቢሮ ቁፅሪ 09 ይከፈት ይኹን እምበር ተጫረቲ ጨረታ አብ ዝኽፈተሉ ጊዜ እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይትኣጎጉልን ::

8 ማእከል ምርምር ሕርሻ ሑመራ ዝሐሸ አማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ::

ኣድራሻ- ጉና ነዳዲ መዐደሊ ፊት ለፊት

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo