ኣብ በጀት ዓመት 2008 ዓ/ም ናይ ቀዳማይ ዙር ዕድጊት ንሆስፒታል ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ : ፅሬት ኣቅሑት :ደንቢ ክዳን : ኣቅሑት ኤለክትሪክ : ኣቅሑተ ኤለክትሮኒክስ : ኣቅርቦት ምግቢ: መቀያየሪ ኣቅሑት ማይ :መሳርሒ ሕትመት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ

ካሕሳይ ኣበራ ሆስፒታል ሁመራ

1 ናይ 2007 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘፈር ዘለዎ

2 ናይ ግብሪ መክፈሊ መለሊ ቁፅሪ ዝተመዝገበኩምሉ ቲን ነምበር ምስክር ወረቀት ክተቅርቡ  እትክእሉ

3 ናይ መቅረባይነተ ምስክር ወረቀት ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ተጫረቲ ተወሳኪ እስቴ ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን ቅዳሕ ክተቅርቡ ትክእሉ

5 ናይ ወርሒ ሓምለ ቫት ዲክላራሲዮን መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ

6 መወዳደሪ ዶክመንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ሕታምን ፊርማን ዘለዎ ኮይኑ ብዝተዓሸገ ፖስታ  ክተቅርቡ ትክእሉ

7 ተወዳደርቲ እቲ ጨረታ ካብ ዝተለጠፈሉ ዕለት 4 መስከረም 2008 ዓ/ም ጀሚርኩም እስካብ ዕለት 19 መስከረም 2008 ዓ/ም ሰዓት 12:00 ምሸት ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ካሕሳይ ኣበራ ሆስፒታል ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ165 ብምምፃእ ዘይምለስ 50 ቅርሺ  ብምክፋል ክትወስዱ ትክእሉ

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስነ መክበሪ ንፅሕፈት መሳርሒ: ፅሬት ኣቅሑት : ደንቢ ክዳን :  ኣቅሑት ኤለክትሪክ: ኣቅርቦት ምግቢ : መቀያየሪ ኣቅሑት ማይ :  ኣቅሑተ ኤለክትሮኒክስ : ሕትመት መሳርሒ  ንሕድሕድ  ምድብ ፕሎት ብጥረ ገንዘብ 3000 ቅርሺ ወይድማ ብ ሲፒኦ ከትሕዝ እትክእሉ

9 እቲ ጨረታ 20 መስከረም 2008 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፁዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:15 ኣብ ካሕሳይ ኣበራ ሆስፒታል ሑመራ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ165  ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተወዳደረቲ ብዘይ ምርካቦም ጨረታ ምክፋቱ ኣይተኣጓጎልን

10 ሀስፒታልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስቁ 0344480010 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

 

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo