ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብ ከባቢ ሸራሮ ንዝስራሕ ናይ ሓባር ዒላታት ንናይ ዋን ዎሽ ማእከላዎት ጎዳጉዲ ስራሕ ከምኡውን ንዝተፈላለያ ኣብያተ ፅሕፈት ኤሌክትሮኒክስ ንምዕዳግ ስለዝደለየ ንናይ ሓባር ዒላ ብናይ ማይ ስራሕቲ ንግዲ ፍቃድ ደረጃ 8 ደቀቅቲ ትካላት ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ከምኡውን ብናይ ዋን ዎሽ ካልኦት ጎዳጉዲ ድማ ብናይ ማይ ስራሕቲ ደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕን ክዕድግን ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ

1 ኣብ ናይ ማይ ስራሕቲ እትሳተፉ ሙሉእ ኮንትራክተራት ሙሉእ መረዳእታ ናይ 2010 ግብሪ ዝኸፈልኩምሉ (ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም) ፣መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዘለኩም፣ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩም ፣ ናይ ወርሒ ታሕሳስ ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ፤

2 ብቢሮ ሃፍቲ ማይ ዝተሓደሰ ብቅዓት መረጋገፂ ዘቀርብን ዝተሓደሰ ናይ ደአንት ብርኪ ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝኽእል፤ ካልኦት ኣድለይቲ ሰነዳት ብኮንትራክተራት ዝተማልአ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ነንበይኖም ብምዕሻግ ሰለስቲኦም ፖስታታት ኣብ ሓደ ዓብይ ብምግባር ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ናይ ተጫረቲ ማህተምን ሽምን ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትው ኣለዎም።ንማእከላዎት ጎዳጉዲ ጥራሕ ናይ ቴክኒክ መለክዒ ኣብ ናይ ባዕሉ ፖስታ ሙሉእ ኣድራሻ ተፃሒፉ ዋና ምስ ቅዳሕ ተባሂሉ ኣብ ናይ ቴክኒክ መእተዊ ጨረታ ዘእቱ፤

3 ኣብ ቀረብ ኤሌክትሮኒክስ እትወዳደሩ ነጋዶ ሙሉእ መረዳእታ ማለት ናይ 2010 ግብሪ ዝኸፈልኩምሉ (ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም) ፣መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዘለኩም፣ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩም ፣ ናይ ወርሒ ታሕሳስ ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ፤ካልኦት መረዳእታታት ክተቅርቡ ትክእሉ ፋይናንሻል ሰነድ ብኣግባቡ መሉኡ ናብ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ትክክለሻ ሰዓትን ቦታን ዘእቱ፤

4 ተጫረቲ ኣብ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቀረቡ ቅጥዕታት መሊኦም ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰነድ ፈሪሞምን ማህተም ገይሮምን በቀደም ሰዓብ ከየጓደሉ ከቅርቡ ኣለዎም። ዝተጋደለ ብእርሳስ ዝተመልአን ቅደም ሰዓቡ ዝተዛበዕን ሰነድ ጨረታ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይገብር።

5 ኣብ እዋን ጨረታ ኣድላይቲ ዝኾኑ ሰነዳት ከቅርብ ዝኽእል፤

6 ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ብሲፒኦ ወይ ብጥረገንዝብ ንነብሲ ወከፍ ሰነድ 5000.00 ሽሕ ቅርሺ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዝ ዝክእል፤

7 ኣብ ናይ ሓባር ዒላ ካዕቲ ተጫራታይ ተዓዋቲ ተባሂሉ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 3ተ ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልታት ውዕሊ ክኣስር ዝክእልን ከምኡውን ካብቲ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 5 ሚኢታዊ ከትሕዝ ዝክእል፤

8 ኣብ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ድማ ተዓዋታይ ተባሂሉ ብስሩዕ ውዕሊ ካብ ዝኣሳረሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 20 መዓልታት ንብረት ከቅርብ ዝክእልን፤ ካብቲ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚኢታዊ ውዕሊ መከበሪ ከትሕዝ ዝክእልን ውዕሊ ናይ ምእሳር ከይዲ ውን ተዓዋቲ ተባሂሉ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 3ተ ናይ ቅሬታ መዓልታት ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝክእል ክከውን ኣለዎ፤

9 እቲ ጨረታ 18/06/2011- 08/07/2011 ዓ/ም አብ አየር ይፀንሕ። ናይ ማእከላዎት ጎዳጉዲ ቴክነካል ሰነድ 08/07/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ እውን ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ታሕታይ ኣዲያቦ ይክፈት። ብዘይካ ዋን ዎሽ ዝተረፉ ፋይናንሻል ሰነድ ዝክፈተሉ 08/07/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ እንትከውን ንናይ ዋን ዎሽ ፋይናንሻል ሰነድ ጨረታ ድማ 12/07/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ እውን ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ታሕታይ ኣዲያቦ ይክፈት። ተወዳደርቲ ብዘይምርካቦም ሰነድ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይተኣጋገልን፤ ልቢ ይበሉ ኣብ ናይ ሓባር ዒላ ስራሕቲ እትወዳደሩ ኤክስካቫተር ምስ ጃክ ሃመር ከቅርብ ዝክእል፤ ብክራይ እንተኮይኑ እውን ናይ መካረይን ኣካራይን ሕጋዊ ውዕሊን ስምምዕነትን ከቅርብ ዝክእል፤ ናይ ሞተር ፓምፕ ከቅርብ ዝክእል ብክራይ እንተኮይኑ እውን ናይ መካረይን ኣካራይን ሕጋዊ ውዕሊን ስምምዕነትን ከቅርብ ዝክእል፤

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0345-500231/0345-500005 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo