ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕል ፈርኒቸር ኣቅሑት፣ ናይ ዋና ዘይብሎም ኣክላባትን ዝቆሰሉ ኣፍራስ ምውጋድ፣ ሞተር ሳይክል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈሉ ናይ 2010/11 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ ቲን፣ መቅረባይ ሰርቲፊኬት ፣ቫት ተመዝገብቲን ናይ ታሕሳስ 2011ዓ/ም ቫት ዲክለሬሽን ከቅርብ ዝክእል፤

2 ዝተዳለወ ጨረታ ካብ ቤት ሰነድ ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ኬዝ ቲም ዕደጋ ካብ ዕለት 08/05/2011ዓ/ም ጀሚሩ ዘይምለስ 50.00 ብር ብምክፋል ጨረታ ሰነድ ምውሳድ ይከኣል፤

3 ጨረታ መከበሪ ፈርኒቸር 20000.00 ሽሕ ብር፣ ናይ ዋና ዘይብሎም ኣክላባትን ዝቆሰሉ ኣፍራስ ምውጋድ 5000.00 ሽሕ ብር፣ ሞተር ሳይክል 15000.00 ብር ብሲፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ወይ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ማኣዘዚ ክፍሊት ቼክ ብሽም ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ከትሕዝ ዝክእል፤

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 25/06/2011ዓ/ም ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ በዚ ዕለት 9:00 ሰዓት ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለውዎ ይክፈት፤

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ ጨረትኦም ብክልተ /ፖስታ/ ሓደ ኦርጂናል ሓደ ኮፒን በብይኑ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል፤

6 ዝኮነ ይኩን ተወዳዳራይ ብቤት ዕዮና ዝተዳለወ ስሩዕ ሰነድ ጨረታ ብምክፋል ምቅራብ ኣይከኣልን፤

7 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

8 ኣድራሻና ኣብ ምም/ር ከተማ መቐለ ኣግኣዚ ኦፕሬሽን ህንፃ ድሕሪ እንዳ ማርያም ቤተ ክርስትያን ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ቢሮ ቁፅሪ 034 እዩ፤

ንትወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0342-408757/408501 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፤ 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo