ናይ መኪና መለዋወጢ አቑሑት (Spar part ) : ናይ ስተሽነሪ ኣቁሑት : ህንፃ መሳረሒ ኣቑሑት : ናይ ፅሬት ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ማእኸል ምርምር ሜካናይዜሽን ሕርሻ ኢነርጂ ገፀርን መቐለ

1   ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ ናይዚ ዘበን ዚ ግብሪ መንግስቲ ዝኸፈሉ ንግዲ ፈቓዶም ዘሐደሱ ቲን ቑፅሪ ሌብሬ ዘለዎም ዝተመዝገቡ ምኻኖም መረዳእታ ዘቕርቡን ናይ ወርሒ ነሓሰ 2007 ዓ/ም ናይ ዲክለር ዝተገበሮ መረዳእታ ኣብ ጨረታ ሰነድ ክተሐሐዝ  አለዎ::

2  ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድቦንድ ብስም ማእኸል ምርምር ሜካናይዜሽን ሕርሻ ኢነርጂ ገፀርን መቐለ ዘተሰርሐ  3,000 .00  (ሰለስተሽሕ) ብስፒኦ ከትሕዙ ዝኽእሉ ንኦርጅናልን ኮፒን ናይ ጨረታ ዶክመንት ብሽምዒ ብዝተአሸገ ፖስታ ከቐርቡ ዝኽእሉ::

3   ተጫራታይ ናይ ጨረታ ዶክመንት ካብ ዕለት 7/ 01 / 2008 ዓ/ም ጀሚሩ አብ ማአከል ምርምር ሜካናይዜሽን ሕርሻ ኢነርጂ ገፀርን መቐለ ቢሮ ቁፅሪ 04 ብምምፃእ ዘይምለስ ብር 20 /ዕስራ ብር / ብምኽፋል ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ዶክመንት ክሳብ ዕለት 21/ 01 /2008 ዓ/ም ሰዓት 8:00  አብ ዘሎ እዋን ኣብ ስራሕ ሰዓት ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ምእታዉ ይኸኣል  ::

4   አብ ዝቐረበ ናይ ጨረታ ዶክመንት አብ ሕድ ሕድ ሰነድ ፊርማን ማህተምን ናይቲ ትካል ክህልዎ አለዎ::

5 እቲ ጨረታ ዕለት  21 /01 /2008 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ አብቲ ዕለት ሰዓት 8:30   ተጫረቲ ባዕሎም ወይም ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኸበሉ ይኽፈት::

6 ጨረታ ሰዓራይ ምስተፈለጠ ዉዕሊ መኽበሪ 10 % ከትሕዝ አለዎ::  ብምትሐዝ ካብ ዝአትወሉ ዉዕሊ እዋን ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ንብረት አታዊ ይገብር::

7  ማእኸል ምርምር ሜካናይዜሽን ሕርሻ ኢነርጂ ገፀርን መቐለ ዝገዝኦ ኣቅሓ ብባዓል ሞያ ተረጋጊፁ ሽግር አለዎ ኢሉ ማእኸልና እንተአሚነሉ ዉዕሊ ምቁራፅ ይኽእል ::

8  ተጫራታይ ግልፂ አብዘይኾነሎም ነጥብታት መብርሂ ወይ መመሓየሺ ሕቶ ከቕርቡ ዝኽእሉ ጨረታ ዝክፈተሉ እዋን ቕድሚ ምብፅሑ ይኸዉን ::

9  እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ  መሰሉ ዝተሓለወ እዩ   ::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ስልኪ .ቑ    034-- 440 23 -85  /  034 - 440 -30  -22  ምሕታትይከኣል ::

 

 

 

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo