ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ኣብ 2011 ዓ/ም በጀት ዓመት ኣብቲ ወረዳ ንዝርከብ ኣብያተ ፅሕፈት ዝረከብ ኣገልግሎት ዝዉዕል ኣቅሑት ሎት 1 ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት ፣ ሎት 2 ዝተፈላለዩ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ : ሎት 3 ናውቲ ስፖርት፣ በቲ ዘፍር ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ካብ ዘለዎም መቅረበቲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ

1 በቲ ዘፈር ናይ 2011 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ዘለዎ፤

2 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ንምዃኑ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

3 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ዘለዎ፤

4 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዝተመዝገቡ ምዃኖም መረዳእታ ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል፤

5 ናይ ታሕሳስ ወርሒ 2011 ዓ/ም ወርሓዊ ሒሳብ ዘወራረድሉ ዲክለሬር ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

6 ናይ ጨረታ መከበሪ ንሕድሕድ ምድብ 3000.00 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒአ ወይ ቼክ ጥራሕ ከትሕዝ ዝክእል፤

7 10 ሚኢታዊ ናይ ጨረታ መከበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒአ ወይ ቼክ ጥራሕ ከትሕዝ ዝክእል፤ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝክእል፤

8 እቲ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ጀሚሩ ን 45 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ፤

9 ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ፌርማ:ስምን :ኣድራሻን :ማህተምን ክህልዎ አለዎ፤

10 እቲ ሰነድ ጨረታ ብዘይ ሰርዝ ድልዝ ክምልእ አለዎ፤

11 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ነንብይኑ ብዝተዓሸገ ብክልተ ፖስታ ከቀርብ አለዎ፤

12 ሰዓርቲ እቲ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ኦፍላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ከምፅኡ ኣለዎም፤

13 ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ኦፍላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ብምምፃእ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ካብ 07/06/2011 ዓ/ም ክሳብ 21/06/2011 ዓ/ም ኣብ ሰራሕ ሰዓት እቲ ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይከኣል፤

14 እቲ ጨረታ 21/06/2011 ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ይከፈት፤

15 ተጫረቲ ካማልእዎ ዝግባእ ዝርዝር ረቆሒታት ኣብ መምርሒ ጨረታ ምርኣይ ይከኣል፤

16 ቤት ፅሕፈትና ካልእ መማረፂ ተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0345-510044 /0345-510721 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo