ቤት ፅሕፈት ፕላንን ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓም ንወረዳና ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ፅሕፈት መሳርሒ፣ ፅሬት መሳርሒ፣ ሕትመት መሳርሒ፣ ሞተር ሳይክል ስፔር፣ ኮምፒተር ተንከፍ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ

1 ሕጋዊ ናይ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን አብዚ በጀት ዓመት ዘሐደስኩምን ወይ ድማ ግብሪ ዝኸፈልኩም፤

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ /ቲን /ካርድ ዘለኩም ዝተሐደሰ ናይ መቅርባይንት ካርድ ዘለኩም፤

3 ብዘይ ፅሬትን ሕትመትን ናይ ቫት ዝተመዝገብኩምን ናይ ቫት ሰርተፊኬት ዘለኩም ናይ ወርሓዊ ዲክለሬሽን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2011 ዲክሬሽ መረዳእታ ክተቕርቡ እትክእሉ፤

4 ንሐደ ዶክሜንት ዘይምለስ ብር 50.00 /ሓምሳ/ ብምክፋል እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ብምዉሳድ ዝቐረበሉ ዋጋ ብምምላእ ካብ ዕለት 05/06/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 20/06/2011 ዓ/ም ዋንኡን ኮፒኡን በበይኑ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምምላእ ነዚ ተባሂሉ ዘተዳለወ ናይጨረታ ሳፁንምእታዉ ይከኣል:;

5 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 20/06/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 4:30 ድማ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዘለዉሉ ይኽፈት ተዘይሃለዉን ኣብ ዉሽጢ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ ብስርዓት ይኽፈትን ይግምገም::

6 ተጫረቲ ቅደሚ ጨረታ ምኽፋቱ ናይ ሕትመት መሳርሒን፣ ፅሬት መሳርሒን መኽበሪ ጨረታ ዝኽዉን ብር 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ / ብር CPO ከትሕዙ አለዎም::

7 ተጫረቲ ዘቕረብዎ ናይ መወዳደሪ ጨረታ ሰነድ ማህተምን ፊርማን በዓል ዋና እንተዘይሃልዎን ስርዝ ድልዝ እንተኾኑን ተቐባልነት አይህልዎን::

8 ሰዓራይ ኮይኑ ዝተረኸበ ተጫራቲ ሰዓረይ ምኮኑ ካብ ዝተነገረሉ ኣብ ዉሽጢ 5 ናይ ሰራሕ መዓልቲ ዉዕሊ እንተዘይአሲሩ ዘተሐዞ መኽበሪ ጨረታ ተወሪሱ ናብ መንግስቲ ካዝና አታዊ ይኽዉን::

9 ሰዓራይ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ኣታዊ ይገብር

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ::

ብስ/ቁ 0344-430357 ምሕታት ይከአል:

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo