ንግልጋሎ ሆስፒታል ዝዉዕሉ መድሓኒት: ኣቁሑ ፅሬት : ኣቁሑ ኤሌትሪክ : መሳሪሒ ፅሕፈት : ኮምፒተር : ፕሪንተር :ኤሌክትሮኒክስ :ኣቁሑት መኪና መለዋወጢ ኣቁሑት ን ሲራሚክን ካብ ሕጋዊ ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኣለማጣ

1 በቲ ዘፈር ናይ 2007 ዓ/ም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ:  ተወሳኬ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ: ቲን ነምበር: ናይ ዝተሐደሰ  ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ዘለዎም

2 መክብሪ ጨረታ ን መድሓኒት 5000 (ሓሙሽተ ሽሕ ) ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብሲፒኦ ከትሕዝ አለዎ  ካብ  መድሓኒት ወፃኢ ንዝኮኑ ድማ  3000 (ሰለስተ ሽሕ ) ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብሲፒኦ ከትሕዝ አለዎ

3 ሰዓራይ ምካኑ ምስ ፈለጠ አብ ዉሽጢ 5+ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስርን ናይ ዝሰዓረሉ ጠቅላላ ዋጋ   10% ናይ ዉዕሊ መክበሪ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ አለዎ

4  ሳዓራይ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ኣብ አላማጣ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ንብረት ክፍሊ ኣታዊ ክገብር ከምዘለዎ

5 ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 06/1 /2008 ዓ/ም ክሳብ 20/01/ 2008 ዓ/ም አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ኣብ አላማጣ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን 50 ብር ብምክፋል ይወስዱ

6 እቲ ጨረታ ዕለት 20/1/2008 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቐትሪ ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 8:45 ድሕሪቐትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረኸብሉ አብ አላማጣ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ይኽፈት

7 ካብቲ ዘሸነፍዎ በዝሒ ንብረት 20% ምዉሳክ ወይ ምቅናስ ይከኣል

8 ሆስፒታልና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ይኵን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

9 ንትወሳኪ ሐበሬታ ብ ስልኪ ቁፅሪ 03 48 74 01 52 /  ምሕታት ይክእሉ

 

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo