ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ወረዳ ሕ /ወጀራትን ራያ አላማጣን

ማሕበር ልምዓት ትግራይ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ወረዳ ሕ /ወጀራትን ራያ አላማጣን

  • ኣብ ጣቢያ ባሕሪ ፀባ ደቡብ ቐዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ

  • ኣብ ጣብያ ሰበራ ጌር ዒጋም ቤት ትምህርቲ ኹሉ መዳይ (ሚክስድ ብሎክ)

  • ኣብ ጣብያ ገርጀለ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቲ ገርጀለ ብደረጃ 6(BC/ GC) ልዕሊኡን ብርኪ ፍቃድ ሕንፃታት ብግልፂ ኣጫሪታ ክተስርሕ ትደሊ ::

  • ተጫረቲ አብቲ ጨረታ ንምስታፍ እዞም ስዒቦም ዝተገለፁ ረቃሒታት ከማልኡ ኣለዎም

  • ናይ 2006 ዓ/ም ስራሕ ግብሪ ዝኸፈሉን ፍቃድ ዘሐደሰሉ ንግዲ ፍቃድ መረዳእታ ኸቅርቡ ዝኸእሉ

  • አብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን መጎዓዝያን ክልል ትግራይ ዝርከብ ቀንዲ ከይዲ ስራሕ ኮንስትራክሽን ቑፅፅርን ምዝገባ ፍቃድን ዝትመዝገበሉ መረዳእታ ኸቅርቡ ዝኸእሉ

  • ናይ ቫት ወረቐት ምዝገባን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ናይ ቫት ዲክላሬሽን መረዳእታ ኸቅርቡ ዝኸእሉ

  • ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድ ቦንድ

  • ንደቡብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ 60,0000.0 (ስሳ ሽሕ)

  • ንጌር ዒጋም ኹሉ መዳይ (ሚክስድ አካዳሚ ብሎክ) 60,000.00(ስሳ ሽሕ)

  • ንገርጀለ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ 70,000.00 (ሰብዓ ሽሕ) ከቅርብ ዝክእሉ

  • ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ህንፃ ፕሮጀክት ስራሕ ዉዕል ካብ ዝፍፅመሉ ዕለት ጀሚሩ ንሕድሕድ ፕሮጀክት ኣብ ዉሸጢ 150 ተኸታተልቲ መዓልትታት ዉሽጢ ሙለእ ብሙለእ ዛዚሞም ከረክቡ ዝኸእሉ

  • ኩሎም ተጫረቲ ሰነድ ካብ ዕለት 10 /10 /2006 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልማዓት ትግራይ ዝርከብ ቢሮ ቑፅሪ 410 ኣድላይ መረዳእታታት ብምሓዝን ዘይምለስ

  • ንደቡብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ 200.00

  • ንጌር ዒጋም ኹሉ መዳይ (ሚክስድ አካዳሚ ብሎክ) 150.00

  • ንገርጀለ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ 200.00 ብምኸፋል ክገዝኡ ይክእሉ

  • ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ዋጋ ፍይናንሻል ቴክኒካልን ዶክመንት ንሕድሕዶም ሓደ ዋና “ ክልተ ፎቶኮፕን ናይ ጨረታ ውሕስና ሰነዳት አብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ምስ ዓሸጉ ኩሎም ፖስታታት ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግን ናይቲ ዝጫረቱሉ ፕሮጀክት ሽም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብይ ፖስታ ብማርከር ብምፅሓፍን ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ ዕለት 30 /10/ 2006 ዓም ሰዓት 8:00 ድሕሪ ሰዓት ብአካል ብምምፃእ ከእትዉ ይክእሉ እዮም::

  • ተጫረቲ ናብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቐርቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ዶክመንት ፈሪሞምን ሓቲሞምን" ቅደም ሰዓብ እቲ ዶክመንት እንተይኣዛብዑ እቲ ዶክመንት ከምቲ ዝሽየጥ እንተሎ ዝነበረ ከየጎደሉ ከቅርቡ አለዎም ዝትጎዳለ " ብትክክል ዘየተመልኣ " ስርዝ ድልዝ ሃልይዎ ፊርማ ተጫራታይ ዘይዓረፊን ቅደም ሰዓብ::

  • ዝተዛበዓን ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ጨረታ ወፃኢየግብር እዩ::

  • እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝትረክብሉ ዕለት 30 /10/ 2006 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:30 ድሕሪ ሰዓት ኣብ አዳራሽ ማ .ል.ት ክኽፈት እዩ::

  • እቲ ድርጅት ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

  • ተወሳኪ ሐበሬታ እንትደሊዩ ኣብ ቢሮ ቀፅሪ 410 ብአካል ብምቅራብ ወይ ድማ ብስለኪ ቁፅሪ 0344 409923 ብምድዋል ምርካብ ይካአል እዩ


 


 


 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo