ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ኣብ ኣብያተ ፅሕፈት ቃፍታ ሑመራ ኣገልግሎት እናሃባ ዝርከባ ተሽከርከርቲ መካይን ኣብ 2011ዓም በጀት ዓመት ፅገና ሰርቪስ ከካይድ ይደሊ። ብምዃኑ ነዚ ክፍፅሙ ዝኽእሉ ደረጃ 2ተ ልዕሊኡን ዝኾኑ ጋራጃት ናይ ኢድ ዋጋ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ

1 በቲ ዘፈር ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዋና ምስዘይምለስ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዩ ቁፅሪ ዘለዎን መረዳእታ ዘቅርብን፤

3 ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2011 ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

4 በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ካርድ ከቅርብ ዝክእል፤

5 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነን መረዳእታ ዘቅርብን፤

6 ናይ ጋራጅ ደረጃ ብቅዓት ደረጃ 2ተን ልዕሊኡን ዘለዎን መረዳእታ ዘቅርብን፤

7 ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መኸበሪ ጨረታ 10000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ድማ ብጥረ ገንዝብ ከትሕዝ ዝክእል፤

8 ተጫረቲ ናይ መወዳደሪ ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻል 1 ዋና ምስ ክልተ ቅዳሕ ቴክኒካል 1 ዋና ምስ 2ተ ቅዳሕ በቢበይኑ ብምዕሻግ ጠቅላላ 06 ፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ኣለዎም።

9 ምልክታ ጨረታ ካብ 05/06/2011 ዓ/ም ክሳብ 19/06/2011 ዓ/ም ኣብ አየር ይፀንሕን ።

10 እዚ ጨረታ 20/06/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ይክፈት።

11 ተወዳደርቲ ኣብ ሕድሕድ ገፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ናይ ትካሎም ማህተም ናይ ዝምልከቶ አካል ፊርማ ክዓርፈሉ አለዎ።

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-480183 ብምድዋል ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo