ቤት ፅሕፈት ምም/ር ዞባ ደቡብ ትግራይ መምርሒ ትልሚን ፋይናንስን ነቲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት ን2011ዓም በጀት ዓመት ንምርካብ ግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤

ቤት ፅሕፈት ምምር/ዞባ ደቡብ ትግራይ

1 በቲ ዘርፊ ናይ 2011 ዓመት ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝክእል፤

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ቲን ሰርቲፊኬት ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝክእል፤

3 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ቫት ዝተመዝገበ፣ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬት ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2011ዓ/ም ቫት ዲክለሬሽን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝክእል፤

4 በቲ ዘርፊ ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምዃኑን ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ምስክር ወረቀት ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝክእል፤

5 ናይ መወዳደሪ ዶክመንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ፣ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን፣ ማህተምን ፊርማን ዘለዎ ክከውን ይግባእ፤ ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ካብ መምርሒ ትልምን ፋይናንስን ዕደጋ ንብረትን ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 80 ካብ 05/06/2011ዓ/ም ክሳብ 20/06/2011ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30.00 ብር ብምክፋል ወሲድኩም ክትወዳደሩ ይዕድም፤

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መከበሪ ሰነድ ጨረታ ብር 3000.00 ሽሕ ብር ጥራሕ ብሽም ዞባ ደቡብ ምም/ር ብሲፒኦ ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ ወይ ብጥረገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ከቅርብ ዝክእል፤

7 እቲ ጨረታ ዕለት 20/06/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8:15 ኣብ መሪሕ ትልምን ፋይናንስን ዞባ ደቡብ ትግራይ ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 80 ተጫረቲ ወይ ሕጋወ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይክፈት፤

8 ቤት ፅሕፈትና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

9 ናይ ጨረታ ሰነድ ዘቅርብን ዝፍርምን ወኪል እንተኮይኑ ካብ መደበኛ ቤት ፅሕፈት ፍትሒ ውዕልን መረዳእታን ዝተውሃበ ናይ ውክልና መረዳእታ ምስ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣተሓዙ ከቅርብ ይግባእ፤

10 ንሕድሕድ ዝምላእ ናይ መቅረቢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘለዎን ብትክክል ዘይተመልአን ጨረታ ሰነድ ብዕዳጋ ፈፃሚ ኣካል ተቀባልነት የብሉን፤

11 ዝኮነ ይኩን ተጫራቲ ኣብ ዘቅረብዎ ዋጋ ተደሪኩ ዋጋ ከቅርብ ኣይክእልን፤ እንተቀሪቡ እውን ተቀባልነት የብሉን፤

12 ውዕሊ እንተኣፍሪሱ ንስራሕ ኣፈፃፅማ /performance bond/ ዘትሓዞ ገንዘብ ከምቲ ውዕሊ ኣፈፃፀማ ብሙሉእ ተቀፂዑ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይከውን፤ውዕሊ ብምቁራፁ ኣብ ዓዳጊ ዝበፅሐ ጉድኣትን ኪሳራን መቅረባይ ካሕሳ ክከፍል ብሕጊ ዝሕተት ምዃኑ፤

13 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ እዋን ን45 መዓልቲ ይከውን፤

14 እቲ  ቤት ፅሕፈት 20 ሚኢታዊ ናይ ምውሳክን ምቅናስን መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0347-770009/770868 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል ፤

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo