ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣሕፈሮም ን2011 ዓ/ም በጀት ዓመት ናይ 2ይ ፍርቂ ዓመት ኣብ ዝተፈላለዩ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ፅሬት መሳርሒ፣ ሕትመት፣ ሞተር ሳይክል መለዋወጢን ፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ኮምፒተራት፣ ቀዋሚ ናይ ቢሮ ኣቅሑ ፣መፃሕፍቲ ፣ ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስዝደለየ ዝምልከተኩም ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስነ ወረዳ ኣሕፈሮም

1 በዘርፉ ናይ ዘመኑ ንግዲ ፍቃድ ዘሕደስኩም፣

2 ቫት ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2011 ዓ/ም እቶትኩም ዘፍለጥኩምን ፤

3 ካብ ትልምን ፋይናንስን ዝተሓደሰ ናይ መቅርባይነት ምስክር ወረቀት ዘለኩም፤

4 መለለይ ቁፅሪ ዝተመዝገብኩም (tin number) ዘለኩምን

5 ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 50.00 ብምኽፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ት/ፋ/ወ/ኣሕፈሮም ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምም/ር ገዛ ቁፅሪ 9 ምውሳድ ይከኣል።

6 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ መኸበሪ ጨረታ (ቢድ ቦንድ) ብር 5000.00 ብጥረ ቅርሺ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዝ ዝኽእል፤

7 ተጫረቲ ጨረታ መሸነፊ ምስተፈለጠ ኣብ ውሽጢ ዝተውሃቦ መዓልቲ ውዕሊ ኣሲርኩም ዋና ንብረት ናብ ዝተብሃሎ ቦታ ኦርጅናል ክተቅርቡ እትኽእሉ ንክትጫረቱ ንዕድም።

8 ናይ ጨረታ ሰነድ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 05/06/2011 ዓ/ም ጀሚርኩም ኩሉግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ ቤ/ፅሕፈት ት/ፋ/ወ/ኣሕፈሮም ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምም/ር/ን ምውሳድ ይከኣል።

9 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድኩም ብዝተዓሸገ ፖስታ ነዚ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ 1 ኦርጅናል ምስ 1 ኮፒ ክተእትው ትኽእሉ።

10 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 20/06/2011 ዓ/ም ድ/ቀትሪ 8:00 ሰዓት፤

11 ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 20/06/2011ዓ/ም ሰዓት 8:30 ድ/ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ወይ ይከፈተለይ ዝብል ማመልከቻ ኣብ ዝተረኸብሉ ወይ ብመምርሒ መሰረት ይኽፈት።

12 እዚ ዋጋ እዙይ ን30 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ።

13 ተጫረቲ ብሰዓርቲን ተሰዓርቲ ብመዓረ ኣብ መስታወቂያ መለጠፊ ቦርድና ለጢፍና እነፍልጠኩም ምዃና፤

14 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0344-490489 / ሞባ 0914-763452 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo