በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ን2011ዓ/ም በጀት ዓመት ኣገልግሎት ቤት ዕይኡ ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ኣቅሑት ቢሮ፣ ቀወምትን ሃለቅትን ኣቅሑት መሳርሒ ፅሕፈትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ ።

በዓል መዚ ልማዓት እቶት ትግራይ

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈልኩም ንግዲ ፈቃድ ዝሐደስኩምን::

2 መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ /ቲን/: ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን : ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2011 ዓ/ም ቫት ዝኸፈለሉ / ድክላሬሽን/ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ ክኾኑ አለዎም: መረዳእታ መቅረባይነት ዘለዎን ዘሐደሰን፤

3 ተጫረቲ ናይ መክበሪ ጨረታ ነንሕድሕዶም 4000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ወይ ሕጋውነት ካብ ዘለዎ ባንኪ ቼክ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ከትሕዝ ዝክእል፤

4 ንዝተዳለወ ናይ ተጫረቲ መምርሒን ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝሐዘን ዘይምለስ ብር 50.00 ብምክፋል አብ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ደ/ከ/ስራሕ ዕ/ፋ ምም/ር ንብረት ቢሮ ቁፅሪ 4/5 ካብ 30/05/2011ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 14/06/2011ዓ/ም ሰዓት 6:00 ምዉሳድ ትክእሉ::

5 እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 14/06/2011 ዓ/ም ሰዓት 6:00 ተዓፅዩ ዕለት 14/06/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸበሉ ባዓል መዚ ልምዓት እቶት ይኽፈት ::

6 ባዓል መዚ ልምዓት እቶት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-40 18 75 ደዊልኩም ምጥያቅ ትእኽሉ፤

NB ኣደራሻና ዓዲ ሓቂ ናይ ማሕበር ጉድአት ኩናት ህንፃ 3 ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 4ን5 ጥቃ ደደቢት ማክሮ ፋይናንስ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo