ትራንስ ኢትዮጵያ ሓ.ዝ.ው.ማሕበር ኣብ መቐለ ዋና መስሪያ ቤት ዝርከብ ናይ ትሬንግ ሰንተር በዓል 3ተ ደብሪ ህንፃ ፅሬቱ ዝሓለወ ናይ ፅሬት ግልጋሎት ንምርካብ በቲ ስራሕ ዘርፊ ዝተዋፈርኩም ትካላት ብጨረታ ኣወዳዲሩ ውዕሊ ንምእሳር ይደሊ፤

ትራንስ ኢትዮጽያ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር

1 ተጫራታይ ናይ 2010 ዓ/ም ዝትሓደሰ ንግዲ ፍቃድ መረዳእታ ከቅርብ ኣለዎ፤

2 ተጫራታይ ፅሬቱ ዝሓለወ ስራሕቲ ብምስራሕ ዝፍለጥ ምዃኑ ንምርግጋፅ ቅድም ኢሉ ናይ ፅሬት ካብ ዝሃበሎም ትካላት ናይ ድጋፍ ደብዳቤ ከቅርብ ኣለዎ፤

3 ተጫረታይ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ መምርሒ ዕደጋ፣ ንብረት ቀረብን ቁፅፅርን ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ክወስድ ኣለዎ፤

4 ተጫራታይ ዘቅረቦ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ወይ ዘይሓወሰ ምዃኑ ብግልፂ ከቅምጥ ኣለዎ፤ እንተዘይተቀሚጡ እቲ ዋጋ ቨተ ከምዝሓወሰ ተገይሩ ይውሰድ፤

5 ተጫራታይ ናይ ጨረታ መከበሪ ብሲፒኦ ካብቲ ዘእተዎ ናይ ጨረታ ጠቅላላ ዋጋ ቫት ሓዊሱ 2 ሚኢታዊ ብሽም ትራንስ ኢትዮጰያ ሓ.ዝ.ው.ማሕበር ተዳልዩ እቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ንበይኑ ፖስታ ተዓሺጉ ከቅርብ ይግባእ፤ሲፒኦ ዘየትሓዘ ተጫራታይ ኣብ ጨረታ ዘይሳተፍ ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ፤

6 ተጫራታይ ናይቲ ጨረታ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ንተከታታሊ ኣብ ዘሎ 05 መዓልቲ ውሽጢ ውዕሊ ብምእሳር ስራሕ ክጅምር ኣለዎ፤

7 ተጫራታይ ናይ ጨረታ ሰነድ ብሽምዒ ዝተኣሸገ ፖስታ 14 የካቲት 2011ዓ/ም ድሕሪ ቀትሪ 8:00 ሰዓት አብ መምርሒ ዕደጋ፣ ንብረት ቀረብን ቁፅፅርን ቢሮ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ፋይናንሻል ፕሮፖዛል ኦርጂናልን ፎቶኮፒን ነንበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ከእትው ኣለዎ፤

8 እቲ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ዕለት 14/06/2011ዓ/ም ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ መምርሒ ዕደጋ፣ ንብረት ቀረብን ቁፅፅርን ይክፈት፤

9 እቲ ጨረታ ሰነድ በቲ ዝተቀመጠ ናይ ጨረታ ምልክታ ዝተማለዐ እንተኮይኑ ተጫራታይ ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት፤

10 ትራንስ ኢትዮጵያ ሓ.ዝ.ው.ማሕበር ነቲ ጨረታ ብምሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ「

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-408205 ምድዋል ይከኣል፤

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo