ንኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ግልጋሎት ዝዉዕል ንብረት ማለት ናይ ምግብና መሳርሒ ኣቅሑት፣ ናይ ማይ መጠራቀሚ ሮቶ፣ ናይ ኤሌክትሪክ ሞጎጎን ምድጃን ናይ ባኒ መጋገርን መልወስን ኣጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ።

ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ

ተወዳደርቲ ከማልእዎም ዝግባእ

1 ተወሳኺ እሴት /ቫት/ ተመዝጋቢ ዝኾነ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2011 ዓ/ም ወርሓዊ ድክለር ዝገብረን ኣታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእልን፤

2 ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ፣ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ /Tin number/ ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝኽእል፤

3 ናይ መቅረባይነትን ግልጋሎት ወሃባይነትን ፈቃድ ዘለዎን ኣታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእልን

4 ጨረታ መኽበሪ ናይ ምግብና መሳርሒ ኣቅሑት ( ስፒኦ) 70000.00 ( ሰብዓ ሽሕ ብር)፣ ናይ ማይ መጠራቀሚ ሮቶ 25000.00 ( ዒስራይ ሓሙሽተይ ሽሕ ብር)፣ ናይ  ናይ ኤሌክትሪክ ሞጎጎን ምድጃን ናይ ባኒ መጋገርን መልወስን 70000.00 /ሰብዓ ሽሕ ብር/ ምስ ሰነድ ጨረታ ኣብ ፖስታ ዓሺጎም አታሒሒዞም ከቅርቡ አለዎም።

5 ተወዳደርቲ ዘሸነፍዎ ንብረት ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ውዕሊ ኣሲሮም ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ብናይ ባዕሎም መጓዓዓዚ አብ ኮሚሽን ፖሊስ ከቅርቡ ዝኸእሉ፤

6ተወዳደረቲ ነንሕድሕድ ሰነድ 100.00 ብር ብምክፋል ኣብ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ማህተም ፊርማን ሙሉእ ኣድራሻ ምስ ስልኪ ቑፅሪ ክገልፁ ዝኽእሉ ካብ 25/05/2011 ዓ/ም ክሳብ 10/06/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ቀትሪ ኣብ ኩሉግዜ ኣብ መስሪያቤትና ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታው ዝኽእሉ ኾይኖም አብቲ ዕለት ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ አብ ዝተረኽብሉ ይኽፈት።

7 ኣብ ናይ ዋጋ መቅረቢ ዝተመልአ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ን30 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ።

8 ኮሚሽና ዝሐሸ መማረፂ እንትረኪቡ ነዚ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ ኮይኑ ብተወሳኪ ዉን 20 % ናይ ምዉሳክ ምቅናስን ከምዝክእል እዩ።

9 ንዝበለፀ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-406577 ወይ ድማ አብ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 208 ምሕታት ይክእሉ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo