ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ንቤት ፅሕፈት ሕርሻ ግልጋሎት ዝዉዕል ዘርኢ አግራብ ብግልፂ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ንቤት ፅሕፈት ሕርሻ ግልጋሎት ዝዉዕል ዘርኢ አግራብ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ ክትጫረቱ እትደሊዩ ተጫረቲ ንክትወዳደሩንዕድም

በዚ መሰረት ነቲ ዝድለ ረቁሓታት ተጫረቲ

  • በቲ ዝተጠቀሰ ዘርፍ ንግዲ ፍቃድ ዝተሐደሰ ዘለኩም::

  • ናይ 2006 ዓም ግብሪ ዝኸፈልኩም::

  • ቲነ ካርድ መረዳእታ ዘለኩም::

  • ቫት ተመዝገበቲ ዝኾንኩም::

  • ናይ ወርሒ ሚያዝያ ዲክለራስዩን ዝገበርኩም::

  • ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ሴርትፊኬት ኣተሓሒዙ ዘቅርብ::

  • ቅድሚ ጨረታ ነቲ ጨረታ መኽበሪ 3000 (ሰለስተ ሺሕ) ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ባንኪ ዝተመስከረሉ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል::

  • ናይቲ ሽያጥ ዝርዝር ዶኩሜንት ዘይምለስ 30 ብር ( ሳላሳ ብር) ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ከ /ስ /ዕ /ንብ /ምም /ርን ቁፅሪ 05 ምዉሳድ ይከአል

  • ካብ 06/ 10 /2006 ዓ/ም ጀሚሩ ዝርዝር ናይ ጨረታ ዶክሜንት ብምዕዳግ ኣብ ናይ ባዕልና ዝተዳለወ ዶክሜንት ብምምላእ ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒን ነንበይኑ አብ ዝተፈላለዩ ፖስታ ዓሺግኩም ፊርማን ማህተምን ተገይሩሉ ክሳብ 20 /10/ 2006ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 8:00 ናይ ድሕሪ ሰዓት አበ ቤት ፅ/ት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ቁፅሪ 05 ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ይእቱ ::

  • እቲ ዘይሰዓረ ተጫራታይ ዘትሓዞ መክበሪ ጨረታ ሰዓራይ ምስ ተገለፀ ብመምርሒ ዕዳጋ መሰረት ይምለሰሉ

  • እቲ ጨረታ ዝሰዓረ ሰብ በቲ ዝሰዓረ ዋጋ ከቅርብ ፍቃደኛ እተዘኮይኑ ዘትሓዞ ቢድ ቦንድ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይኸዉን::

  • ሰዓራይ ዝተገለፀሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 ( መዓልቲ) ተካታተልቲ ዉዕል አሲሩ እቲ ንብረት ምጉዕዓዝ ይጅምር

  • ሰዓራይ አብቲ ዝተገለፀሉ ቀሪቡ ዉፅኢት እንተዘይ ኣሲሩ ብመምርሒ ዕዳጋ መሰረት ዝቅፃዕ ምኻኑ

  • እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 20/ 10/ 2006 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፂዩ ሽዑ ድ ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ባዕላቶም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብዘለዉሉ ይክፈት::

  • ሰዓራይ ንዝስዕሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ብምሽፋን አብ ወረዳ ሐዉዜን ትልምን ፋይናንስን አጉዒዙ ዘቅርብ::

  • ኣብ እንዕድጎ ንብረት መጠን 20% ክንዉስክ ክንቅንስ ንክእል ኢና ::

  • ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረከቡ ብምሉእ ወይ ብክፋል ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

  • ዉዕሊ ኣሲሩ ንብረት አየቅርብን እንተይሉ እቲ 10 % ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይከዉን::

  • ናይ ዉዕሊ መዓልቲ እንተሓሊፉ ንብረት ዘረየረከበ በቢ መዓልቱ ነተን ዝተረፋ ንብረታት ኣታዊ ዘይገበረን ንብረት 1/1000 እናተቐፅዐ ከምኡ እዉን እትን ንብረት አታዊ ይገብር::

  • ናይዚ ዓመት ዝተኣረየን ካብ ነቀዝ ነፃ ዝኾነን ምስ ካልኦት ዓይነት ዘርኢ ዘይተሐወሰን ከቅርብ ዝክእል::


 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo