ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ቤት ምኽሪ ንግዲ ዘፈር ማሕበራት መቐለ ንህንፀት ሓፁር ኢግዚቭሽን ማእኸል ዝውዕል ናይ ኮንስትራክሽን ኣቅሑትን ህንፃ መሳርሒን ኣቅሑት ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቤት ምክሪ ንግዲ መቀለ

1 ዝተሓደሰ ናይ 2010/11 ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ፤

2 ዝተሓደሰ መቅረባይነት ዘለዎ፤

3 ናይ ቫት ወይም ቲኦቲ ከፋሊ ዝኾነን ናይ ቲን ሰርቲፊኬት ዘለዋን

4 ተወዳደርቲ ኣብ ትመልኡዎ ጨረታ ሰነድ ማህተም፣ ፊርማን ምሉእ ኣድራሻን ምስ ቁፅሪ ስልኪ ክትገብርሉ ይግባእ።

5 ተጫረቲ ዘቅርብዎ ነፀላን ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ብንፁር ከቅምጡ ኣለዎም፤ ስርዝ ድልዝ ቀለዎ ዋጋ ተቀባልነት የብሉን፤

6 ናይቲ ዘቅረቦ ጠቅላላ ዋጋ 3% ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ምስቲ ጨረታ ሰነድ ዓሺጎም ከቅርብ ዝኽእል፤

7 ተጫረቲ ዘቅረብዎ ዋጋ ቅድሚ ቫት ወይም ቲኦቲ ምዃኑ ብግልፂ ከቀምጡ ይግባእ። ኮይኑ ግና ምንም ዓይነት መብርሂ ተዘይሃልይዎ ቫት ዝሓወሰ ምዃኑ ርዱእ ከምዝግበር ነፍልጥ።

8 ኣብ ኩሉ ሎት ትካልና ኣብ ጭቡጥ ስራሕ መሰረት ዝገብረ ካብ 20 ሚኢታዊ ክሳብ 30 ሚኢታዊ ካብቲ ጨረታ ሰነድ ዘሎ በዝሒ ናይ ምውሳክ ወይ ምንካይ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

9 እዚ ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ግዜ ካብ ዕለት 17/05/2011 ዓ/ም -25/05/2011ዓ/ም ዝፀንሕ ኮይኑ እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን መቐለ ክሳብ ዕለት 25/05/2011 ሰዓት 4:00 ናይ ቅድሚ ሰዓት ዘይምለስ 50.00 ብር ብምክፋል ምውሳድ ዝከኣል ኮይኑ እቲ ጨረታ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ናይ ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ ሰዓት 5:00 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት። ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ዘይምርካቦም ንቲ ከይዲ ምክፋት ጨረታ ከምዘየተኣጓጉሎ ክንሕብር ንፈቱ።

10 ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብኽፋል ወይም ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ስ.ቁ 0344-410671/402529/416554 ደዊልካ ምሕታት ይከአል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo