ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዓዝያን ከተማ ሸራሮ ዝርከብ ከ/ስ/ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ከተማ ሸራሮ ኣብ በጀት ዓመት 2011ዓ/ም ኣብ ጣብያ ሓየሎም ዝርከብ ዋንነቱ ናይ ቤት ፅሕፈት ጉዳይ መናእሰይ ስፖርትን ከተማ ሸራሮ ዝኮነ ኩለመዳይ ስታዲየም ክስራሕ ብደረጃ በ8ተ ብርኪ ፍቃድ ኣናእሽተይ ትካላት ንግዲ ኮንስትራክሽንን ማሕበራት ብግልፂ ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ::

ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጎዓዝያን ከተማ ሸራሮ

1 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ብቤት ፅሕፈት ልምዓትን ደቀቅትን ኣናእሽተይን ትካላት ዝተውሃበ ምስክር ወረቀት ብብርኪ ፍቃድ ኮንስትራክሽን ተኮናታራይነት ምዝገባ ካርዲ ወረቀት ምስክር ከፋሊ ግብሪ ፣ወረቀት ምስክር መቅረባይነት፣ወረቀት ምስክር ተወሳኪ እሴት ታክስን ፣ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

2 ተጫረቲ ኣብ ብሄራዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ደረጃ 8ተ ብርኪ ፍቃድ ኣናእሽተይን ትካላት ንግዲ ናይ ኮንስትራክሽን ማሕበራት ዝምልከት ኮይኑ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ፕሮጀክት ክጫረቱ ይክእሉ እዮም፤

3 መከበሪ ጨረታ ብኢትዮጵያ ብሄራዊ ባንክ ብዝተፈለጡ ባንክታት ዝወሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ሲፒኦ ወይ ብጥረገንዘብ 10000.00 ሽሕ ቅርሺ ከትሕዙ ኣለዎም፤

4 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ስራሕቲ ሳይተ ወይ ቦታ ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 120 ተከታተልቲ መዓልትታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም፤

5 ኩሎም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 15/05/2011ዓ/ም ጀሚሮም ካብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዓዝያን ከተማ ሸራሮ ዝርከብ ከ/ስ/ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ቢሮ ቁፅሪ 05 ኣድላይ መረዳእታት ብምሓዝ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ክወስዱ ኣለዎም፤

6 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ዋጋ መረዳእታ ሓደ ዋና ክልተ ቅዳሕን ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ምስዓሸጉ ኩሎም ፖስታታት ኣብ ካሊእ ዓብይ መሊሶም ብምዕሻግ ተጫረቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሽሞም ኣብ ልዕሊኡ ብማርከር ብምፅሓፍ ንቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዓዝያን ከተማ ሸራሮ ዝርከብ ከ/ስ/ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ቢሮ ቁፅሪ 05 ንጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ 06/06/2011ዓ/ም ሰዓት 3:30 ብኣካል ብምምፃእ ከእትው ኣለዎም፤

7 ተጫረቲ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ዝቀረቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ሰነድ ፊርምኦም ማህተሞምን ቅደም ሰዓብ እቲ ሰነድ እንተየዛብዑ እቲ ሰነድ ከምቲ ክሽየጥ ከሎ ዝነበሮ ከየጋደሉ ከቅርቡ ኣለዎም፤

8 እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ 06/06/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 05 ክክፈት እዩ፤

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ካሊእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

10 ካብ ዝቆፅሮም ሰራሕተኛታት 60 ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ ከሳትፍ ድልዊ ዝኮነ፤ ብዘይ ፆታ ኣፈላላይ ማዕረ ክፍሊት ንማዕረ ፆታ ክከፍል ድልዊ ዝኮነ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0345-500595 ምድዋል ይከኣል፤

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo