ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓብይ ዓዲ አብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ኣብ ከተማና ዘሎ ሳዕርን ተክልን ማይ ንምስታይ ካብ 10000.00 ሽሕ ሊትሮ ዘይንእስ ማይ ክሕዝ ዝክእል ቦቴ መኪና ከቅርብ ዝክእል ዘስቲ ሰራሕተኛ ከም ትቦ ጎማን ካልኦትን ነዚ ዘድሊ ብናይ ባዕሉ ከቅርብ ዝክእል ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ::

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓብዮ ዓዲ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ዘለኩምን ኣብ 2011 ዓ/ም ዘሐደስኩም /ሕድሳት ዘይሓለፎ/::

2 እቲ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ሕጋዊ ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ ::

3 መለለይ ካርዲ መቅረባይነት ዝተውሃቦ ወረቀት ምስክር ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘለኩም፤ ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ፤

4 ናይ መለለይ ካርድ ዘለኩምን ዘሐደስኩምን::

5 ናይ ቦቲ ሊብሮ መኪና ከቅርብ ዝክእል

6 ንጨረታ መክበሪ 5000.00 ቅርሺ ብ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል ::

7 ንሐደ ደክመንት ዘይምለሰ 25.00 ብር ብምክፋል ካብ ቤት ፅ/ትት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ከ/ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ክፍሊ ቁፅሪ 6 ብምግዛእ ክጫረቱ ዝክእል::

8 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅ/ት ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ምልክታ ካብ ዝተጠቀዐሉ ዕለት ጀሚሩ ብምዉሳድ ናይ መወዳደሪ ዋጋኹም ብምምላእ ኩሎም ዝተጠቐሱ አድለይቲ ኮፒን ኦርጅናልን ነንበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰነድ ጨረታን ዝተዓሸገ ፖስታን ናይ በዓል ዋና ማህተምን ፊርማን ብምፅሓፍ ኣብ ቤት ፅ/ት ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ንክትእትዉን ንክትወዳደሩ እናተሓሳሰበና::ኣብ ሰሙብ 3ተ መዓልቲ ኣብ መዓልቲ ድማ 5ተ ቢያጆ ኣመላሊሱ ከስቲ ዝክእል፤ዝሰቲ ቦታ ካብ ራእሲ ኣሉላ ሆቴል ክሳብ ምምሕዳር ዓብይ ዓዲ ምሉእ ብምሉእ ሳዕርን ተክልን ዝተለጠፈ ይሰቲ::

9 ምልክታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካበ ዕለት ካብ 14/05/2011 ዓ/ም ክሳብ 05/06/2011 ዓ/ም እንትከዉን 3:00 ናይ ንጉሆ::

10 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕሽገሉ ዕለት 05/06/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ናይ ንጉሆ::

11 ሳንዱቅ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 05/06/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ናይ ንጉሆ ኣብ ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓብይ ዓዲ ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ይካየድ። እቲ በዓል ዋና ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣይተረከበን ተባሂሉ ከይትከፈተ ዝምለስ ፖስታ ኣይህሉን::

12 ቤት ፅ/ትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

13 ኣብቲ ዝወፀ ስፔስፊኬሽን ወይ መግለፂ ምንካይ ወይ ምቅያር ምስራዝን ኣይፈቀድን።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቑፅሪታት ስልኪ 0344-460058 /1121 ብምድዋል ይሕተቱ::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo