ቤት ፍርዲ ወረዳ መደባይ ዛና ዝተፈላለዩ ሃለቅትን ቀወምትን ንብረት መሳርሒ ፅሕፈት፤ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ፤ ሕትመትን መሳርሒታት ፅሬትን፤ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ::

ቤት ፍርዲ ወረዳ መደባይ ዛና

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ከቅርብ ዝክእል

2 መፍለይ ቁፅሪ ከፈላይ ግብሪ ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ክቅርብ ዝክእል

3 ናይ ወርሒ ሕዳር 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ፤

4 ሰዓራይ ተጫራታይ ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚኢታዊ ውዕሊ መከበሪ ብምሓዝ ኣብ ውሽጪ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ቤት ፍርዲ ወረዳ መደባይ ዛና ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምምሕዳር ንብረትን ብኣካል ቀሪቡ ውዕሊ ክኣሰር ኣለዎ

5 ሰዓራይ ተጫራታይ ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ዝሰዓሮ ንብረት መሊኡ ኣብ ውሽጢ 15 ናይ ስራሕ መዓልታት ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያን መፅዓንን መራገፍን ናብ ቤት ፍርዲ ወረዳ መደባይ ዛና ከቅርብ ኣለዎ

6 ዋጋ ጨረታ ካብ ዝተቀመጠሉ ዕለት ጀሚሩ ን30 መዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሕ ይከውን

7 ተጫረቲ እትመልእዎ መጫረቲ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሓወሰ ክኮን ይግባእ ተዘይፂሕፍምሉ ድማ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምዝሓወሰ ተገይሩ ይቁፀር

8 ዝርዝር ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽም ኣድራሻ ናይቲ ትካል ማህተምን ፈርማን ክህልዎ ይግባእ

9 ተጫረቲ  ዘይምለስ 30 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ ቤት ፍርዲ ወረዳ መደባይ ዛና ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ንብረትን ካብ 9/05/2011ዓ/ም ክሳብ 23/05/2011ዓ/ም ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ካብ ሰዓት 2:30 ንግሆ ጀሚርኩም ሰነድ ጨረታ ምውሳድ ይከኣል::

10 ጨረታ 24/05/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ንግሆ ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለውዎ ይክፈት:: እቲ ጨረታ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ብዘይምህላዎም ዘይተከፈተ ዝተርፍ ሰነድ ጨረታ ኣይህሉን::

11  መክበሪ ጨረታ ቢድቦንድ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ሕትመትን ፣መሳርሒ ፅሬት ኣቅሑት ነንሕድሕዶም  3000.00 ሽሕ ቅርሺ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ብሽም ቤ ፍርዲ ወረዳ መደባይ ዛና ከትሕዝ ዝክእል፤

12 ጨረታ ከዛብዕ ዝፈተነ ካብቲ ጨረታ ተኣልዩ ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ብምግባር ዳሕራይ ንከይጫረት ይግበር::

13 ቤት ፅሕፈትና ተጫረቲ ካብ ዝሰዓርዎ ሕድሕድ ንብረት 20ሚኢታዊ ክውስክን ክንክን ዝክእል ምካኑ ክፈልጥ ኣለዎ፤

14 እቲ ቤት ፅሕፈት ካሊእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ::

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0347-760279/0914-776400 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል::

       

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo