ትግራይ ኩለመዳይ ዕደጋ ፌደሬሽን ኣብ ሓሚዳይ ዝርከብ ዝተጀመረ ህንፃ ክሳብ 1ይ ደብሪ ኣስሪሑ ከጠናቅቅ ይደሊ:: ስለዚ እቲ ህንፃ ንምስራሕ ዝተሓደሰ ፍቃድ ዘለኩምን ቫት ዝተመዝገብኩም ክትወዳደሩ ንዕድም::

ፌዴሬሽን ኩሉመዳያዊ ዕደጋ ትግራይ ሓ/ዝ/ው/ማ

1 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ዘለኩም ደረጃ 8ተ ዝተመዝገብኩም፤

2 ብዝተዳለወ ዝርዝር ስፔስፊኬሽን መሰረት ክሳብ ጂተ1 ምጥንቃቅን ሽንቲቤትን ሻወርን ምስራሕ፤

3 ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 200.00 /ክልተ ሚኢቲ/ ዘይምልስ ብምክፋል ካብ 13/05/2011ዓ/ም ከሳብ 23/05/2011ዓ/ም ኣብ ስራሕ ሰዓት ብምግዛእ ዋጋ መሊእካ ምቅራብ፤

4 እቲ ጨረታ በቲ ዕለት 23/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ተዓፅዩ ኣበቲ ዕለት ሰዓት 9:30 ይክፈት::

5 ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝተፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝክእል፤

6 እቲ ህንፀት ውዕሊ ካብ ዝተኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ ወርሒ ሰሪሑ ዘረክብ ዝክእል፤

7 ንህንፀት ዘቀርብ ማተሪያል ብትካልና ዝቀርብ በዓል ሞያ ዘረጋግፅ ይከውን፤

8 ተጫረቲ ጨረታ መከበሪ ብሲፒኦ ብር 50000.00 /ሓምሳ ሽሕ/ ዘትሕዝ ሰዒሩ ውዕሊ ኣሲሩ እንተዘይሰሪሑ ዘትሓዞ ኣይምለስሉን::

9 እዚ ጨረታ ትካልና እንተዘይተስማሚዑ ብክፋል ይኩን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo