ኤጀንሲ ስታቲስቲክስ ክልል ትግራይ ካብ ናይ 2011ዓ/ም በጀት ዓመት ዝተፈላዩ ናይ ፈርኒቸር፣ ፅሕፈት መሳርሒን ናይ ጂፒኤስን ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኤጀንሲ ስታስቲክስ ክልል ትግራይ

1 ብናይ ፈርኒቸር ናይ ፅሕፈት መሳርሒን ናይ ኤሌክትሮኒክስ  ጂፒኤስን ኣቅርቦት ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ መቅረባይ ሰርቲፊኬት ቲን፣ቫት ዝተመዝገበን ናይ ሕዳር ዲክሌር ዝገበረ መከበሪ ጨረታ ንናይ ፈርኒቸር ብር 9000.00 ሽሕ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ብር 8000.00 ሽሕ ንናይ ጂፒኤስ ብር 4000.00 ሽሕ ብዝኮነ ንግዲ ባንኪ ብሲፒኦ ዝተረጋፀ ቼክ ወይ ኩነታት ዘይተመስረተ ውሕስና ባንኪ ከቅርብ ዝክእል

2 ንሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል

3 ጨረታ ሰነድ ዝሽየጠሉ ካብ ዕለት 10/05/2011ዓ/ም ክሳብ 24/05/2011ዓ/ም 8:30 ድ.ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 24/05/2011ዓ/ም ሰዓት 8:30 ድ.ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት ብተመሳሳሊ ዕለት ኮይኑ ሰዓት 9:00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ወከልቶም ይከውን :: እዙይ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ አዋን ምክፋት ጨረታ ኣብ ሳንዱቅ ዘኣተወ ፖስታ ከይተከፈተ ዝምለስ የለን::

4 እቲ ጨረታ ካብ ዝክፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ እዋን ን45 መዓልቲ ይከውን::

5 ኣድራሻና ክፍለ ከተማ ዓደ ሓቂ ፊት ንፊት ቤት ትምህርቲ ካቶሊክ እንዳ ባ ገ/ሚካኤል ዝርከብ ህንፃ ኣብ 1ይ ደብሪ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ን/ምምሕዳርን እዩ::

6 እቲ ኤጀንሲ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0342-402362 ምድዋል ይከኣል::

QPa?g6S�Ƞ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo