ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ኩሓ ንዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ፅሕፈት መሳርሒ :ፅሬት ኣቁሑትን: ስፖርት ዕጥቅን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ በዚ መሰረት ነዚ ዝስዕብ ሮቋሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ኩሓ

1 ዝተሐደሰ ናይ 2008 ዓ/ም ንግዲ ፍቓድ ዘለዎን ግብሪ ዝኽፈለን ክኸዉን አለዎ

2 መለለይ ግብሪ /ቁፅሪ ቲን ናምበር ኸቕርብ ዝኽእል

3 ዝተሐደሰ ናይ መቕረባይነት ምዝገባ መለለይ ካርዲ ከቕርብ ዝኽእል

4 ጨረታ ምልክታ ካብ ዝውፀአሉ ዕለት 28 /12 /07 ዓ/ም ክሳብ 12 /01 /2008 ዓ/ም ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ዝካአል ኮይኑ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝዕፀወሉ ዕለት 12/ 01 /08 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ተዓሺጉ ብተመሳሳሊ ዕለት 12 /01/ 08 ዓም ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይኽፈት

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ ናይ ፅሬት ኣቁሑት ፅሕፈት መሳርሒን ስፖርት ዕጥቅን ብር 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ /ብናይ ስፖኦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይከዓ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

6 ፅሬት ኣቁሑት ፅሕፈት መሳርሒን ጨረታ ሰነድ መግዝኢ ብር 50.00

7 ንፅፈት መሳርሒ ቫት ተመዝገብቲ ጥራሕ እነተኮን ንፅሬት ኣቁሑት ንኩሉ ዝሐወሰ ይኸዉን ቫት ተመዝገበቲ ናይ ወርሒ ሓምለ ዲክለር ዝገበረ

8 ተጫረቲ ዘድሊ ናይ ጨረታ ሰነድ ነንበይኑ ብምእሻግ ኦርጅናልን አብ ሓደ ፖስታ ኮፒ ኣብ ካሊእ ፖስታ ታዓሺጉ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይካኣል

9 ተጫረቲ ወይከዓ ወኪላት ብዘይ ምቕራቦም ሰነ ስርዓት ምኽፋት ጨረታ ኣይተዓናቐፍን ወይ ከይተከፈተ ዝምለስ ሰነድ ጨረታ ኣይህሉን

10 ናይ ተጫረቲ ሽም ኣድራሻ ክታምን ማሕተምን ክዓርፎ አለዎ

11 ተጫረቲ ጨረታ ዝሰዓረ ምኻኑ ካበ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ፍሉይ ኩነታት እንተዘይ ሃሊዩ ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ሕጋዊ ዉዕሊ ክኣስርን ናይ ዉዕሊ መኽበሪ 10% ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ከዓ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ አለዎ

12  ቤት ፅሕፈትና ክሳብ 20% ናይ ምዉሳክን ምቕናስን መሰሉ ሕሉዉ እዩ

13 ኣብ ዘዳላናዩ ሰነድ ጨረታ ስፐስፊኬሽን መለክዒ ካልእ ዝኮነ ዓይነት መስተካከሊ ምግባር ተቀባልነት የብሉን

14 ትራነስፖርት ዝምልከት ባዕሉ ሰዓራይ ኣካል ዝሽፍን ኮይኑ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍሊ ከተማ ኩሓ ብዉዕል መሰረት ንብረቱ ኣታዊ ይገብር

15 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ

16 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914702650/ 0914888930 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo