ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ክልል ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት በ2011 ንግልጋሎት ዝዉዕል ናይ መኪና ስፔር ፓርት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ኤጀንሲ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ

በዚ መሰረት

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ዝትሐደሰ ንግዲ ፍቃድ መቕረባይነት ዘለኩም::

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ/TIN/ መረዳእታ ክተቕርቡ እትኽእሉ::

3 ቫት ዝተመዝገብኩምን ኣብ 2011 ዓ/ም ናይ ወርሒ ሕዳር ዲክለር ዝገበርኩምን::

4 ተጫራቲ በቲ ዝቐረበ ዝርዝር /specification/ መሰረት መሊኡ ዘቕርብ ክኸዉን አለዎ::

5 መቅረብቲ ካብ ዕለት 07/05/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 21/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 11:30 ዘይምለስ 50.00 ብር ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ብምዉሳድን ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይካአል::

6 መኽበሪ ጨረታ 4000.00 /ኣርባዕተ ሽሕ/ ብ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ቅደሚ እቲ ፖስታ ምኽፋቱ ክትሕዙ አለዎም::

7 ጨረታ ዝዕሽግሉ ዕለት 22/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ባዕሎም ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸቡ ይክፈት::

8 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይረኺቦም እዉን እቲ ጨረታ ንምክፋት ዝዓግቶ የለን።

9 ዘድሊ በዝሒ ዶክሜንት ኦርጅናል ምስ ኮፒ ተዓሺጎም ከቅርቡ ኣለዎም።

10 ጨረታ ዝፀንዐሉ ግዜ እቲ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩን 45 ናይ ስራሕ መዓልቲ እዩ::

11 ተጫረቲ እቲ ዘቅርብዎ ዋጋ ምስ ቫቱ ደሚሮም አብቲ ቤ/ፅሕፈትና ኣብ ዘዳለዎ ሰነድ ድልየት መግለፂ ጥራሕ ይኮዉን::

12 አብ መምልኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን።

13 ተሳተፍቲ አብ ሰነድ ጨረታ ማህተም ናይ ድርጅትኩም ከዓርፎ አለዎ።

14 ቤ/ፅሕፈትና እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይም ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰል ዝተሓለወ እዩ::

ኣድራሻ- ሓዱሽ ህንፃ ኤጀንሴ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ጎኒ ቤት ትምህርቲ መርሲ ፋይናንስን ህንፃ 1ደብሪ ቑፅሪ 105 ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስ ምምሕዳር ንብረትን::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342-406380 ምርካብ ይከኣል::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo