ቢሮ ኮንስትራክሽን ፣መንገድን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ ዝረከብ ዳይሬክቶራት መንገድን ምዕባለን ምምሕዳርን ኣብ ናይ 2011ዓ/ም በጀት ዓመት ኣብ ወረዳ ኢሮብ ዓሲምባ እንዳ ቁሳ ሓራዛ ቃራ GC2 መንገዲ ዲዛይን ንምግባር ብ Highway and consultancy ብርኪ ፍቃድ ብደረጃ RC5ን ልዕሊኡን ዘለዎም ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ።

ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ፣ምዝገባ ንግዲ፣ ናይ መለለይ ቁፅሪ ምዝገባ መረዳእታ፣ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ፣ ተወሳኬ እሴት ታክስ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ናይዚ ዓመት ግብሪ ዝኸፈለን : ናይ ዝሓለፈ ወርሒ 2011ዓ/ም ናይ ቫት ድክለሬሽን ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፣ ዝተሓደሰ ናይ ስራሕ ኣማኸርቲ ዝተውሃበ ፍቃድ ዘለዎ፤

2 ተጫረቲ መኸበሪ ውሕስና ጨረታ ብቤሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈቀደሉም ዝተፈለጡ ባንክታት ዝወሃብ አብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ 15000.00 ሽሕ ቅርሺ ከትሕዙ ኣለዎም።

3 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም።

4 ኩሎም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 06/05/2011ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ቢሮ ኮንስትራክሽን ፣መንገድን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ ዝረከብ ዳይሬክቶራት መንገድን ምዕባለን ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 152 ንነብሲ ወከፍ ፕሮጀክት ዘይምለስ 200.00 ቅርሺ ብምኽፋል ክገዝኡ ይኽእሉ እዮም።

5 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ነንበይኑ ሓደ ዋና ክልተ ቅዳሕ ሰነዳት ጨረታ ናይ ስራሕ ኣማኸርቲ ምዝገባ ፍቃድ ፍቃድ ስራሕ ንግዲ፣ መቅረባይነት ምዝገባ ወረቀት ምስክር ፣ተወሳኬ እሴት ታክስ ምዝገባ ምስክር ወረቀት፣ናይ ዝሓለፈ ወርሒ 2011ዓ/ም ናይ ቫት ድክለሬሽን ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፣ናይ መለለይ ቁፅሪ ምዝገባ መረዳእታ፣ ውሕስና ጨረታ (ቢድ ቦንድ) ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ብምዕሻግ መሊሶም ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብቲ ልዕሊ ፖስታ ሽም ዝጫረትሉ ፕሮጀክትን ኣድራሻን ብዝርኣ ቀለም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 152 ናብ ዝተደለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክሳብ 06/06/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትው ኣለዎም።

6 ተጫረቲ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ዝቀርቡ ቅጥዕታት ብትኽክል መሊእኹም ንነብሲ ወከፍ ገፅ እቲ ሰነድ ፈሪሞምን ሃቲሞምን ቅደም ሰዓብ እቲ ሰነድ ከየዛብዑ እቲ ሰነድ ከምቲ ክሽየጥ ከሎ ዝነበረ ከየጋደሉ ከቅርቡ ኣለዎም።

7 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ 06/06/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 152 ይኽፈት።

8 እቲ ቢሮ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ናብ ቢሮ ኮንስትራክሽን ፣መንገድን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ ዝረከብ ዳይሬክቶራት መንገድን ምዕባለን ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 152 ብምምፃእ

ብስ.ቁፅሪ 0344-400050/410645 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo